“ኣብዚ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ደኣ ንኤርትራ ክትበጽሕ ዲኻ?” ዝብል ዘረባ መማህረትይ ዘንቀሎ ሓሳብ’ዩ። ብዘይካ ኣይፋል ካልእ ኣይበልኩዎን᎓ ብውሽጠይ ግን ገለ ካብቲ ምኽንያታት እጽብጽብ ነይረ፤

  1. “ኣብ እንዳ ፊሊጶስ ኢና ተኣሲርና ኔርና” ዝብል’ሞ (ዝበዝሓ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትካላት እምበር ገበነኛታት ዝቕጽዑለን ስለ ዘይኰናስ ብኣስማት ኣዘዝቲ ክጽውዓ ንቡር’ዩ) ድሕሪ ዓመት ማእሰርቱ ብሰበ-ሰብ ወጺኡስ (እንኮላይ ካብታ ሃገር) ንዅነታቱ ምስ ሓተትኩዎ “ዳርጋ ኣብ ሕጽኖት ዝነበርኩ’የ ዝመስል። ከምዚ ኣነ ዝነበርኩዎስ ንኻልኦት ይፍጠረሎም’ዩ ዘብል” ኢሉኒ። ዝርርብ ቀጺሉ ብዛዕባ እቶም ተሪፎም ዘለዉ መተኣስርቱ ምስ ተላዕለ ድማ᎓ “ብሓቂ ጽቡቕ’ዮም ሒዞሞም ዘለዉ፣ ብዓል እገለ ዘየድልዮም ምስ’ቶም ዋርድያ ይጓረፈጡ ነይሮም᎓“ ይቕጽል። ኣብ መጨረሽታ–ዋላ ሓንቲ ምኽንያት መእሰሪ ኣይሃሉዎም ደኣ’ምበር–እቲ ፍታሕ ኢሉ ዘቕርቦ፤ “ሕጂ ንዓርኪ ፊሊጶስ ዝዛረባ ኢና ንደሊ ዘለና። ንሳ እንተ ተዛሪባቶስ ክወጽኦም ይኽእል’ዩ።”

ኣነ ከኣ ብገርሀይ ዓርኪ ጀነራል ፊሊጶስ መን ምዃና ይሓትት። “እታ ኣብ ኣስመራ ፓላስ ዘቝርሳ ዝነበረ ‘በይቢ’ ዝብላ ዝነበረ በዓልቲ ማርካቶ እኳ ገዲፉዋ’ዩ። እዛ ሕጂ ሒዙዋ ዘሎ ግን ዓርኪ እገለ ዝነበረት… ኵስቶ ሽማ ኣብ ከተማ ድኳን ቡቲክ ከፊቱላ ዘሎ…። ከመይ ጌርካ ንስኻ ዘይትፈልጣ?” ለካስ ኵሉ ሰብ’ዩ ዝፈልጣ። ኣብ ዩትዩብ ደልዩ ከኣ ኣቕሪቡለይ።

    1. Continue reading

ክትምዕድን ክትምህርን ናይ ምድላይ ክቱር ድሌት ዝስዕርር ዘሎ መሲሉ ተሰሚዑኒ ነይሩ። ዳሕራይ ሕስብ ምስ ኣበልኩዎ ግን ሕጂ ደኣ ብናጻ ዕድላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተሓጊዙ ዝተጋነነ መሲሉ እምበር ካብ ቀደሙስ እኹል መንጸፍ ጸኒሑዎ’ዩ። ንውሰድ እንዶ…

…ሙሳ ኣሮን ኣብ መቕድም ቀዳመይቲ ልብ-ወለዱ ወርቅሃ  “እቲ ጽሑፍ ነቶም ክቡራንን ሕፉራንን መምሃሪ እምበር᎓ መጻወቲ” ከም ዘይኰነ ኣመልኪቱ ኣሎ። ሙሳ ኣሮን ጥራይ ዘይኰነስ ኵሎም ናይ ሽዑ ጸሓፍቲ ልብ-ወለድ ንዕኡ ዝመስል ማዕዳን መጠቀቕታን’ዮም ዝህቡ ነይሮም። በቲ መጠኑ ዝሓለፈ “ክትምህር ናይ ምድላይ ጽቡቕ ድሌት” ዝተናደደ በየነ ሃይለ ድማ ኣብ ዓቢዱ’ዶ ትብልዎ? (1965) ᎓ “እዚ ጽሑፍ ክምህር ወይ ክግስጽ ቢለ ኣይጸሓፍኩዎን” ኢሉ ኣቐሚጡ። ምናልባት ግን ኣብ ኤርትራ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ብዙሓት ዘመናዊ ስነ-ጽሑፍ ደንጉዩ ዝጀመረን ሃገራት ጸሓፍቲ ልብ-ወለድ ነገርቲ ዛንታ ጥራይ ዘይኰነስ መምሃራን እንኮላይ’ዮም። ንዝያዳ “The Novelist as Teacher” ዝብል ጽሑፍ ቺንዋ ኣቸበ ምውካስ ይከኣል።

[ናይ መምሃራን ካብ ተላዕለ ብዘይካ ኣብ ኤርትራ “መምህር” ካብ ሞያ ሓሊፉ ናብ መዓርግ ዝቕይረሉ ሕብረተሰብ’ሲ ኣሎ’ዶኾን?]

ኣብ ዘልዕሎ ኣብነታት ሓቀኛ ኣስማት ኣይክጠቅስን’የ።

ኣብ ፈለማ 2000 ኣቢላ ኣብ ኤርትራ “ዝረዓመት” መጽሓፍ᎓ ኣብ መቕድማ᎓ “እገሊት ጓለይ ‘ባባ ንህዝቢ ኤርትራ በጃኻ ምሃሮ᎓’ ኢላ ኣምሪራ ተላብያትኒ’የ ዝጽሕፍ ዘለኹ” ዝብል ኣለዎ።

እቶም “ብሩህ መጻኢ” (እንታይ ምዃኑ እንድዒ) ክህሉዎም እንደልዮም ህጻናት ኤርትራ እንተስ ኣቦይ ንዋዩ ወይ ኣቦይ ባጃይን ኣማኢት መሰልቶምን ተማዒዶም ክስንብሩ ቍሩብ’ዩ ተሪፉዎም። እዛ ንሓደ ጨሓምን ጭራ ነስነስ እናበለን ንምዝራብ ዝጽገም ወሓለ ሰብኣይ ቅዲ መበቈላ ኣበይ ምዃና ኣይፈልጥን። ኣብ ዝበዝሕ ናይ ተዋስኦን ምዕዶን ኣጋጣሚታት ግን ካብተን ኣዝየን ዝውቱራት ኣገባባት’ያ።

ምርኢት መጽሓፍቲ ኤርትራ ጽቡቕ ተበግሶ ደኣ ይዅን እምበር᎓ “ነንብብ ክንዕንብብ” እትብል መዝሙር ናይቲ ኣጋጣሚ ክሰምዕ ከለኹ ወትሩ እዝነይ እዃዅየኒ ነይሩ።

ካብተን ሓደ ሓድሽ ስራሕ ኣዝያ ኣገዳሲት ምዃና እንጥቀመላ ዝውትርቲ ኣገባብ ኣወዓውዓ᎓ “መሃሪትን ኣዘናጋዒትን” ተዋስኦ᎓ መጽሓፍ᎓ ፊልም ምዃና ምንጋር’ዩ። ክመዓድ ኢሉ ናብ ሲነማ ከፊሉ ዝኸይድ’ሲ ከመይ ከመይ’ዩ?

መስፍን ገብረሂወት ቀደም ተመሃራይ ካልኣይ ደረጃ ከለኹ ደጋጊመ ዘንብባ ዝነበርኩ ናይ ዋዛታት መጽሓፍ ኣላቶ። ኣርእስታ? እናሰሓቕና ንመሃር። ዳሕራይ ቍሩብ ምስ ጐበዝኩ እታ ኣርእስታ ተሕስበኒ፣ ሰብ ስሒቑ ጥራይ እንተኸደስ እንታይ ሓጢኣት ኮን ነይሩዎ? ስለምንታይ’ከ ካብ ነፍሲ-ወከፍ ዋዛ ትምህርቲ ክቕስም ዝድለ?Continue reading

“ስራሕና ቦምባ ምትኳስ’ዩ ኣበይ ከም ዝዓልብን ንመን ከም ዝሃርምን ንዓና ዝምልከት ኣይኰነን፣ ንሱ ናይ ካልእ ክፍሊ ስራሕ’ዩ።”

እዘን ከም መእተዊ ተጠቒመለን ዘለኹ ሕደማ ናይ ሓንቲ ደርፊ ኰይነን ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ካብ ዘንብበን ልዕሊ 10 ዓመት ሓሊፉ፣ ገና ክርስዐን ኣይከኣልኩን᎓ ስም ደራፊ ስለ ዘይሓዝኩ ከኣ ተመሊሰ ከስተማቕራ ኣይከኣልኩን። ተደጋጋሚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ስራሕ ጎፍ ክብለኒ ከሎ ግን እዘን መስመራት ህሩግ ይብላኒ። ስሙ ዘይሓዝኩዎ ደራፊ ነቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ወጥሪ ኒክለሳዊ ኣጽዋር–ናይ ገለ መራሕቲ ሸለልትነት ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያ–ንምግላጽ ዝደረፎ’ዩ። እታ ደርፊ ከም እተርእዮ᎓ ኣዘንታዊ ምስቶም ቦምባ ዝትኵሱ ክፍሊ ኰይኑ ስራሑ ነታ ቦምባ ምትኳስ እምበር ኣበይ ከም እትዓልብን ንመን ከም እትሃርምን ግን ንኻልእ ክፍሊ ዝምልከት ምዃኑ ይሕብር። እቶም ካልእ ክፍሊ᎓ ምናልባት’ውን ነታ ቦምባ ተመሊሳ ኣብ ልዕሊኡ ከም እትወድቕ ገይሮም ከነጻጽሩዋ ይኽእሉ’ዮም፣ እዚ ግን ንዓኡ ዝገድሶ ኣይኰነን።

(መእተዊስ እንተ ሓጸረ’ዩ ጽቡቕ፣ ክሰግር)

ሰፊሕ ቃለ-መሕተት ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ ዘበገሶ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ረድዮን ምልልስ ዘንቀሎ ሓሳብ’ዩ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ብዝለዓለ ጥርዚ–ናይ ኣማኑኤል ኢያሱ ናይ ረድዮ መልሰ-መጥቃዕቲ–ምስ ሰማዕኩ’የ ተመሊሰ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምልልስ ተኸታቲለዮ።

ኣቦይ ሃብተማርያም ልዑልን ትኵርን ዝኽሪ ከም ዘለዎም ዘጠራጥር የብሉን፣ ምስ ዕብየት ዕድመ᎓ ንውሓት ግዜን በበይኑ ምዕባለታትን ከኣ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ናይ እርጋን ምትሕውዋስ ዝኽሪን ንምፍላጥ ኣየጸግምን። ኣፋዊ ዛንታ እናተደጋገመ ምስ ከደ መበቈሎን ርጡብነትን ብዘየገድስ “ሓቂ” እናመሰለ’ዩ ዝመጽእ። ኣብዚ ናይ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣጋጣሚ’ውን ነዊሕ ስደትን ጽምዋ ዝወለዶ ምጽርራብ ናይቲ ዝኽሪን ናብ ሓደ መስርዑ ዝሓለወ ዛንታ ንኽሰፍዩዎ ኣኽኢሉዎም። ኣብ ርእሲ’ቲ ርኡይ ኵርናዕ ኣጠማምታ᎓ እቲ ዝዝርዝሩዎ ዛንታታት ኣዝዩ ተኣፋፊን ምስጢራዊን ስለ ዝዀነ᎓ ብማዕዶ ተዓዛቢ ኴንካ ጥራይ ደምዳሚ መልሲ ክትህበሉ ዝከኣል ኣይኰነን። ካብ ዕላሎም ንጹር ከም ዝዀነ ከኣ ኣብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዛንታታት ናይ ማዕዶ ተዓዛቢ ጥራይ’ዮም ነይሮም። ንውሓት ዕድመ᎓ ምድብላቕ ዝኽሪ᎓ ነዊሕ ዝተዓቝረ ነድሪ ከስዕቦ ዝኽእል ምዝባዕ ሓበሬታ እምበኣር ምዝርዛሩ’ውን ኣየድልን። ኣብ ከምኡ መደምደምታ ንዝበጽሕ ሰማዒ’ውን ግድን ጌጋ ወይ ዝተጋነነ ስእሊ ክህቦ’ዩ። Continue reading

ብሓቂ ድዩ ኣዛራቢ ጉዳይ ኰይኑስ ብዛዕባ ህሉዊ ተርእዮታት “ተስፋጽዮን”ን ካልኦት ብነብሰ-በታኽነት ዝሕመሉ ዘለዉ ክጽሕፍ ኢለ ደጋጊመ ሓሲበ። ኣብ መጨረሽታ ግን ኣመጻጽኣ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣወጻጽኣ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፈላልቓ ሓደገኛታት መራሕቲ ዓለምና ከም እኒ ሂትለር ብዓቢኡ፣ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብደረጃ መዐቀኒ ብልቃጥ ዘኪረስ ሓሳባተይ ክገልጽ ተደፋፊአ።

ክቱር ነድሪ ውጽኢት ነዊሕ ዝኸደ ዓመጽ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ቀንፈዘው ስደት (እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ መዕረፊየይ በጺሐ ኣብ እትብለሉ እዋን ምዃኑ)ን “ተሓታትነት” ዘይብሉ ኣገባባት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተደሚሩዎን ብዙሕ ሰብ (ነብሰይ ሓዊስካ) ዕርቃኑ ክወጻእ ተቐሲቡ ኣሎ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ሎሚ ኣብ ዓንኬላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራ ዝዀነ ኣቓልቦ ዝሰኣነ ብሓንቲ ለይቲ ዝና ንኽረክብ ዕድል ገይሩ። ሰማእታት ዝጸርፍ፡ ባንዴራ ዘቃጽል፡ ንቓልሲ ዘከሻምሽ… ከከም ግዜኦምን ኵነታቶምን–ንሳቶም’ውን ብዝዀነስ ይዅን ጥራይ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ንፍጠር ብዝመስል ተበግሶ–ኣቓልቦ ንኽጥምዝዙ ባይታ ተጸሪጉሎም። ብዘይ ዝዀነ ርጡብ ሓሳባትን ብዘይካ ጥሪፍሪፍ ዝብላ ዘለፋ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ክኸይድ ዘይክእል ምጕት ሒዝካ ኣቓልቦ ክትስሕበሉ እትኽእል ምቹእ ሃዋሁ ስለ ዘሎ ከኣ ንብዙሓት “ኣህቢቡዎም”። እቲ ህቡብነት ግን ግድን ንሓደ ጽቡቕ ኣንፈት ኣብነት ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። [ንኣብነት እኳ ኣቓልቦ ክስሕቡን ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ክዝረበሎምን ኢሎም ጥራይ ኣብ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝዋፈሩ መንእሰያት ኣመና ብዙሓት’ዮም። ብሕልፊ ኣብ ሃገራት ምዕራብ፡ እዚ ዝመስል ተርእዮ ብተደጋጋሚ  ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ህጻናት ብምቕታል ክፍጸም ይርአ።]

ምናልባት ግን ብዝሒ ድምጺ፡ ድጋፍን በጻሕቲን ማሕበራዊ መራኸቢታት ንደረጃ ሓሳባት ዝገልጽ ዘይምዃኑ ኣከራኻሪ ኣይኰነን። ካልእስ ይትረፍ ስእሊ ሓደ ሓዊ ዝነድድ ዘሎ ቈልዓ ብምጥቃዕ፡ “ኣምላኽ ምሕረቱ ከውርደሉ ‘ኣሜን’ ጸሓፉ” ብምባል ጥራይ ልዕሊ ሚልዮን ዝኸይድ ድጋፍ ምርካብ ኣሸጋሪ ኣይከውንን።Continue reading

(ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ካብ ዝተሓትመ)

1971፡ ካብታ ሸውዓተ ቈልዑ ዝወለደት ስድራቤት ኣስራት መብራህቱን ኣብርሃጽዮን ሃይለን ኣብ ኣስመራ ዝተወልደ ኣማኑኤል: ምንኣስ ቦኽሪ ኰይኑ: መባእታ ኣብቲ ሽዑ “ሰሜናዊ” ተባሂሉ ዝጽዋዕ ዝነበረ፣ ማእከላይ ደረጃ ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሽወደን ኣኽርያ፣ ካልኣይ ደረጃ ድማ ኣብ ሳንታ-ኣና (ናይ ሎሚ ሰማእታት) ወዲኡ። ብድሕሪኡ ኣብ 1989 ናብ ባህርዳር ብምኻድ ፔዳጎጂ (ትምህርቲ ስነ-ምምህርና) ንሓደ ዓመት ተኸታቲሉ። ኣብ 1990 ድማ ናብ ህዝባዊ ግንባር ብምንጽባር: ኣብ ቤት-ትምህርቲ ሰውራ ክሳብ መስከረም 1992 መምህር ኰይኑ ኣገልጊሉ። ድሕሪኡ ኣብ 1992 ናብቲ ሽዑ ዳግም ዝተኸፍተ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ብምእታው፡ትምህርቲ መሬትን ዕቃበ ማይን (soil science and water conservation) ኣጽኒዑ። ኣማኑኤል (ስድራቤቱን ናይ ቀረባ የዕሩኽቱን ዝምስክሩሉ) ንኻልኦት ከረድእን ንሰብ ከሕግዝን ዝያዳ ጸዓት ዘጥፍእን ብውልቁ ከጽንዕ ዘይረአን ደኣ ይንበር እምበር (ከም ኣብ ካልእ ዓውዲ ዝነበሮ ትኵርነትን ትዕድልቲን): ኣብ ትምህርቲ’ውን ጸብለልታ ስለ ዝነበሮ: ብዝለዓለ ነጥቢ ተመሪቑ። ድሕሪ መመረቕታኡ ኣብ ኣብ ሚኒስትሪ መሬት፡ ማይን ኣከባቢን ክሰርሕ ድሕሪ ምጽናሕ ድማ ኣብ ዶባዊ ኲናት ኤርትሮ-ኢትዮጵያ ከቲቱ ኣብ ኣሃዱ ሃንደሳ ተመዲቡ ክሳብ ግዜ ማእሰርቱ የገልግል ነይሩ።

Amanuel Asrat2

ዋናኣሰናዳኢ ኣማኑኤል ኣስራት

ኣማኑኤል ኣስራት ዋና ኣሰናዳኢ ናይታ ብለካቲት 1999 ዝጀመረት ጋዜጣ ዘመን ኰይኑ: ናብ ሰንበት ዕለት 23 መስከረም 2001 ኣብ ዘውግሐ ንግሆ ካብ ገዛኡ ብኣባላት ጸጥታ ምስ ተወስደ ክሳብ ሎሚ ኣብ ቤት-ማእሰርቲ ዒራዒሮ ከም ዘሎ ዳሕረዎት በብወገኖም ዝፈለቑ ክሳብ ሕጂ ወጺኦም ዘለዉ ዝደሓሩ ሓበሬታት የመልክቱ። ምእሳር ኣማኑኤል ምስ ምዕጻው ብሕታውያን ጋዜጣታትን ምእሳር ኣሰናዳእተንን ዝተሓሓዝ ምዃኑ ርዱእ ኰይኑ: ምስ ብጾቱ ጋዜጣኛታት: ኣድማ ምሕሳም መግቢ ገይሮም ክሳብ ዝግዕዙ: ኣብ ቀዳማይ መደበር ፖሊስ ኣስመራ ንውሑድ እዋናት ጸኒሑ ነይሩ።Continue reading

(ኣብ መርበብ ሓበሬታ ፐን ኤርትራ ካብ ዝተሓትመ)

ቶግራፍን ተንቀሳቓሲን ስእሊ ኤርትራ ክለዓል መለቀብታ ቅጽል ዘየድልዮ ስዩም ጸሃየ፡ ኣብ 1952 ካብታ 12 ቈልዑ ዝፈረየት ስድራቤት ኣቶ ጸሃየ ወልደማርያምን ወ/ሮ ሮማ ሰሎሞንን ኣብ ትዅል ተወሊዱ። ኣብ ትዅል ደኣ ይወለድ እምበር፡ ኣብ ከባቢ ጸጸራት ኣስመራ ክዓቢ ከሎ፡ ትምህርቱ’ውን ኣብ ኣስመር’ዩ ተኸተቲሉ። እዛ ብዙሓት ቈልዑ ዝወለደት ስድራ ማዕረ ብዝሒ ዝፈረየቶም ደቂ’ያ ንቓልሲ ናጽነት ኣሰሊፋ። ስዩም ዝርከቦም ሸሞንተ ደቂ ንገድሊ ተሰሊፎም፣ እስቲፋኖስ ዝተባህለ ኣባል እዛ ስድራ ንስለ ናጽነት ኣብ ዝተኻየደ ቃልሲ ክስዋእ ከሎ፡ እቶም ሸውዓተ ግን ብሰላም ተመሊሶም። ኣደ ስዩም ወይዘሮ ሮማ እውን ብተመሳሳሊ ኣብ ኣስር ደቀን ብምጽናዕ፡ ሓፋሽ-ውድብ ኰይነን ንነዊሕ ዓመታት ሰሪሐን። ስድራቤት ጸሃየ ወልደማርያም ደሓን ደረጃ መነባብሮ ስለ ዝነበሮም (ኣብ ኣስመራ ከባቢ መዓስከር ቃኘው እትርከብ ሲማፎሮ ዘላ ባር ዳኦስታ’ውን ዋንነታ ናይዛ ስድራ’ያ)፡ ስዩም ናብ ዝሓሸ ቤት ትምህርቲ ክለኣኽ ኣኽኢሉዎ።

(ምስ ስዩም ጸሃየ ውልቃዊ ሌላ ኣይነበረናን፣ ኣብዚ ዝጠቕሶ ሓበሬታ ግን ሓያሎ መጋድልቱ ዝነበሩ’ሞ ስሞም ክዕቀበሎም ካብ ዝሓተቱ ወይ ድማ ቤተሰቡ ዝትረኸበ ሓበሬታ’ዩ።)

Seyoum Tsehaye2

ስዩም ተመሃራይ ኣላይንስ ፍራንስ ብምንባሩ፡ ብዘይካ’ቲ ምልከት ቋንቋታት ፈረንሳይ፡ ጣልያንን እንግሊዘኛን ኣብ ባህሪ’ውን ካብ ብዙሓት መዛንኡ ዝተፈልየ ጽልዋ ከም ዝነበሮ መሳቱኡ ይምስክሩ። ስዩም ፈለማ ኣብ ኣስመራ ትምህርቱ ድሕሪ ምክትታል፡ ናብ ኣዲስ-ኣበባ ብምኻድ ኣብ ፍረንች-ኮለጅ ትምህርቱ ቀጸለ’ሞ ድሕሪ ምውዳኡ ድማ መምህር ቋንቋ ፈረንሳይ ኰይኑ ንሓደ ዓመት ኣብ ኣስመራ ሰርሐ። ሕጂ’ውን ኣብ ኣስመራ ዝነበረ እብኡብ ህይወት ክጸሮ ስለ ዘይክኣለን በቲ-በቲ’ውን ምስ ቃልሲ መስመር ስለ ዝጸንሖን ድማ ኣብ 1977 ናብ ቃልሲ ወጸ።

ድሕሪ ታዕሊም ስዩም ናብ ኣሃዱ ሃንደሳ’ዩ ተመዲቡ። ሓያሎ መጋድልቱ ዘዘንትዉዋን ስዩም ባዕሉ’ውን ቀጻሊ ዝጠቕሳ ዝነበረትን ዘይትርሳዕ ግዜ ኣብ ኣሃዱ ሃንደሳ ተመዲቡ ኣብ ዝነበረሉ ፈለማ ዓመታት ቃልሲ’ዩ። እታ ጋንታ ሃንደሳ ንጸላኢ ኣብ ዝቐርብ ድፋዓት ቅድመ-ግንባር (ምናልባት ከባቢ ግንባር ከረን) ተፈልያ ነዊሕ ጸኒሓ። ኣብታ ጋንታ ዝርአ ዝነበረ መለሳ-ኣልቦ ህይወትን ኣንጻር ምሁራን ዝቐንዐ መልክዑ ዝሓዘ ኣጠማምታን’ውን ንብዙሕ ክገልጽ ዝኽእል ይመስለኒ። ስዩም እቲ “ደርቢ ምስባር” ዝብል ኣካይዳ ስለ ዘይኣመነሉ ጥራይ ዘይኰነስ፡ ኣብ ቃልሲ ዝህሉዎ ኣሉታዊ ጽልዋ ከም ዝዓቢ ስለ ዝተገንዘበ፡ ብሸዓኡ’ዩ ኣንጻሩ ደው ኢሉ። እታ ጋንታ ምስ ካልኦት ኣሃዱታት ኣብ ዘይትራኸበሉ ሓዲግ ቦታ ብምዃናን ብተዛማዲ ስራሓ’ውን ኣብ ቀጻሊ ወተሃደራዊ ንጥፈታት ትሳተፍ ብዘይ ምንባራ፡ ኣብ መንጎ ኣባላት ዝህሉ ምጥምማት ዝዓበየ ስራሕ ኰነ።Continue reading