ብሓቂ ድዩ ኣዛራቢ ጉዳይ ኰይኑስ ብዛዕባ ህሉዊ ተርእዮታት “ተስፋጽዮን”ን ካልኦት ብነብሰ-በታኽነት ዝሕመሉ ዘለዉ ክጽሕፍ ኢለ ደጋጊመ ሓሲበ። ኣብ መጨረሽታ ግን ኣመጻጽኣ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣወጻጽኣ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፈላልቓ ሓደገኛታት መራሕቲ ዓለምና ከም እኒ ሂትለር ብዓቢኡ፣ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብደረጃ መዐቀኒ ብልቃጥ ዘኪረስ ሓሳባተይ ክገልጽ ተደፋፊአ።

ክቱር ነድሪ ውጽኢት ነዊሕ ዝኸደ ዓመጽ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ቀንፈዘው ስደት (እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ መዕረፊየይ በጺሐ ኣብ እትብለሉ እዋን ምዃኑ)ን “ተሓታትነት” ዘይብሉ ኣገባባት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተደሚሩዎን ብዙሕ ሰብ (ነብሰይ ሓዊስካ) ዕርቃኑ ክወጻእ ተቐሲቡ ኣሎ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ሎሚ ኣብ ዓንኬላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራ ዝዀነ ኣቓልቦ ዝሰኣነ ብሓንቲ ለይቲ ዝና ንኽረክብ ዕድል ገይሩ። ሰማእታት ዝጸርፍ፡ ባንዴራ ዘቃጽል፡ ንቓልሲ ዘከሻምሽ… ከከም ግዜኦምን ኵነታቶምን–ንሳቶም’ውን ብዝዀነስ ይዅን ጥራይ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ንፍጠር ብዝመስል ተበግሶ–ኣቓልቦ ንኽጥምዝዙ ባይታ ተጸሪጉሎም። ብዘይ ዝዀነ ርጡብ ሓሳባትን ብዘይካ ጥሪፍሪፍ ዝብላ ዘለፋ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ክኸይድ ዘይክእል ምጕት ሒዝካ ኣቓልቦ ክትስሕበሉ እትኽእል ምቹእ ሃዋሁ ስለ ዘሎ ከኣ ንብዙሓት “ኣህቢቡዎም”። እቲ ህቡብነት ግን ግድን ንሓደ ጽቡቕ ኣንፈት ኣብነት ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። [ንኣብነት እኳ ኣቓልቦ ክስሕቡን ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ክዝረበሎምን ኢሎም ጥራይ ኣብ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝዋፈሩ መንእሰያት ኣመና ብዙሓት’ዮም። ብሕልፊ ኣብ ሃገራት ምዕራብ፡ እዚ ዝመስል ተርእዮ ብተደጋጋሚ  ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ህጻናት ብምቕታል ክፍጸም ይርአ።]

ምናልባት ግን ብዝሒ ድምጺ፡ ድጋፍን በጻሕቲን ማሕበራዊ መራኸቢታት ንደረጃ ሓሳባት ዝገልጽ ዘይምዃኑ ኣከራኻሪ ኣይኰነን። ካልእስ ይትረፍ ስእሊ ሓደ ሓዊ ዝነድድ ዘሎ ቈልዓ ብምጥቃዕ፡ “ኣምላኽ ምሕረቱ ከውርደሉ ‘ኣሜን’ ጸሓፉ” ብምባል ጥራይ ልዕሊ ሚልዮን ዝኸይድ ድጋፍ ምርካብ ኣሸጋሪ ኣይከውንን።Continue reading