ፈተነ-ቅትለት ኣብ ልዕሊ ጀነራል ስብሓት ኤፍሬም፤ ቅድሚኡን ድሕሪኡን

ረቡዕ ዕለት 19 ታሕሳስ ምሸት᎓ ንሚኒስተር ምክልኻል ነበርን ህሉዊ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ጀነራል ስብሓት ኤፍሬምኣብ መንበሪ ገዛኡ ፈተነ-ቅትለት ተኻዪድሉስ ተሃሪሙ ብህይወት ከም ዝወጸ ኣብ በበይኑ መራኸቢታት ክቃላሕ ዝጸንሐ’ዩ። ምስኡ ዝተኣሳሰርዓሰርተታት ትንታነታት ክውሕዝ ንቡር ስለ ዝዀነ᎓ ምናልባት ካብ ዝሰማዕኩዎን ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ዝፈልጦን ሓበሬታ ከካፍል።

ዝተፈጸመ (ከም ዘለዎ)

ረቡዕ ምሸት ጀነራል ስብሓት ኣብ መንበሪ ገዛኡ ኣጋይሽ ዓዲሙ ኣምስዩስ ከፋኑዎ ንደገ ወጺኡ ክምለስ ከሎ᎓ ብረት ምስ ዝሓዘ ሰብ ብሃንደበት ኣብ ውሽጢ መንበሪ ገዛኡ ተጋጢሙ። መንበሪ ገዛ ስብሓት ብኽልተ ወተሃደራት ዝሕሎ ደኣ ይዅን እምበር᎓ እዚ ዕጡቕ ሰብ መዓስን ብኸመይን ኣቢሉ ኣብ ውሽጢ ከም ዝኣተወ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።

(ቀዲሙ ኣብ ዝነበረ ዛንታ መኣረምታ ተግይሩ ኣሎ) ኣብ ውሽጢተዅሲ ከፊቱ᎓ ብቐዳማይ ፈተነ ስሒቱዎ። ዳሕራይ ክትኵስ ክብል ብረት ስለ ዝዓከሰት᎓ ተኳሲ ብኣካል ቀሪቡዎ። ብሰደፍ’ታ ብረት ደጋጊሙኣብ መንጋጋኡን ርእሱን ብምህራም ኣብ መሬት ኣውዲቑዎ። ስብሓት በቲ ሃንደበታዊ ማህረምቲ ወዲቑ ኣንፈቱ ከጥፍእ ከሎ᎓ ተኳሲ ግንተታሒዙ፣ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ’ሎ።

ኣብ ሆስፒታል ተዓቝቡ ዝጸንሐ ስብሓት᎓ ዓርቢ ንግሆ ብፍልይቲ ነፋሪት ንሕክምና ኣቡዳቢ ከይዱ ኣሎ። ምንጪታት ካብ ውሽጢ ከም ዝሕብሩዎ᎓ በዓልቲ-ቤት ስብሓት ምስኡ ክትጓዓዝ ሓሲባ እኳ እንተ ነበረት᎓ ብወገን ኢሳይያስ ስለ ዘይተፈቕደላ ግን ንሳ ተሪፋ᎓ ኣብ ክንዳኣ ከኣ ብርጋዴር ጀነራል ዶክተር ሃይለ ምሕጹን ምስኡ ከም ዝጓዓዝ ተገይሩ ኣሎ። ምንጭታት ከም ዝጠቕሱዎ᎓ ወኑ ደኣ ይምለስ እምበር᎓ ብኸቢድ ተሃስዩ ኣሎን በበይኖም መጥባሕታት ይጸብዩዎ ኣለዉን።

ሓሙስ ምሸት እንኮላይ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝርከቦም ሰበ-ስልጣናት ኣብ መንበሪ ገዛኡ ከም ዝበጽሑ’ውን ይፍለጥ።

ቅድሚ’ዚ ዝሰዓበ ፍጻመ᎓ ጀነራል ስብሓት ሓሚሙ ብወጻኢታት ኣዝማዱ (ብቐንዱ ከኣ ሓብቱ) ኣብ ሽወደን ክሕከም ኢሉ ቈጸራታት ምስ ሓዘ᎓ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ከልኪሉዎ ምጽናሑ ጥራይ ዘይኰነስ ንኣዲስ-ኣበባ ከይዱ ክሕከም ሓሳብ ኣቕሪቡሉ ምንባሩ ቅርበት ዘለዎም ሰባት ይዛረቡ። ንኣዲስ-ኣበባ ኬድካ ምሕካም ስብሓት ስለ ዘይተቐበሎ ከኣ ነቲ ናይ ሕክምና መደብ ናብ ምውንዛፉ’ዩጸኒሑ። ከም ብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከኣ ኣብቲ ቍንቂኝኡ ዘይፍለጥ መስርሕ ሰላም ዕቃበታቱ ዓው ኢሉ ክዛረብን ክሳብ ንዶብ ክኸፍትተሓቲቱ ከም ዘይተቐብሎን ይዛረቡ።

ዝሰዓበ ትንታነ

በቲ በቲ ዝዀነ ፍጻመ ስለ ዘየለ᎓ ብኻልእ ወገን ከኣ ወግዓዊ ሓበሬታ ኣብ ዘይወሃበሉ (እንተሎ’ውን ዝንቡዕ) ዕፉን ስርዓት ስለ ዘሎና ኵሉ ሰብ ነናቱ ትንታነ ክህብ ግድን’ዩ።

“እንትርፎ ብተዛማዲ ኣብ ብልሽውና ዘይተቛማጠዐን ብብዙሓት ተቐባልነት ዘለዎን ስብሓት᎓ ካልእ ንኢሳይያስ ክብድሆን ሕጂ ድማ ክዓልዎን ዝኽእል (ምስ’ዚ ምስ ኢትዮጵያ ዝገብሮ ዘሎ መጠኑ ዝሓለፈ ሕቡእ ርክባት) ስለ ዘየሎ᎓ ብዘይካ ኢሳይያስ ካልእ ነዚ ፍጻመ’ዚ ክገብሮ ዝኽእል የለን” ዝብሉ እቶም ቀዳሞት ምድብ’ዮም። ኣቐድም ኣቢሉ’ውን ስብሓት᎓ ካብ ኣገዳሲ ወተዳሃደራዊ ኣኼባታትን ንመስርሕ ዝምድና ኢትዮ-ኤርትራ ተወጊኑ ምጽናሑ ነዚ ትናትነ ዘቕርቡ ወገናት ይዛረቡ።

“ኢሳይያስ ንስብሓት ምውጋን ዘድልዮ ኣይኰነን᎓ እንተ ደልዩዎ ግን ብዘይ ዝዀነ ምኽንያት’ውን እንተ ዝኣስሮ ዝጣበቐሉ ኣይምህለወን። እዚ ፈተነ ግን ብኻልኦት ብስቕታኡ ወይ ጥልመቱ ዝሓረቑ ኣዘዘቲ ሰራዊት ዝተፈጸመ’ዩ ክኸውን ዝኽእል᎓” ይብሉ ተጻራሪ ወገን። ፈታኒ ቅትለት ምፍሻሉን ኣብ መጨረሽታ ድማ ምትሓዙን ብኢሳይያስ ዘይተላእከ ተልመዴንን ምሉእ ዕጥቂ ቅትለት ዘይሰነቐን ምዃኑ ድማ ይውስኹ። ነቶም ሓለዋ ገዛ ስብሓት ሓሊፉ ንውሽጢ ምእታዉ ግን ነቲ መስርሕ ሓለዋ ኣጸቢቑ ዝፈልጥን ምናልባት ከኣ ኣባል ጸጥታን ክኸውን ከም ዝኽእል ከኣ እዞም ወገናት ይትንትኑ። እዚ ፈተነ ብኻልኦት ዝተቘጥዑ ኣዘዝቲ ሰራዊት’ዩ ተፈጺሙ ክኸውን ዝኽእሉ ካብ ዝብሉ ወገናት᎓ ገለኣቶም ስብሓት ኣብ ውዱእን ወሳኒን እዋን ከም ዝጠለሞም ይእምቱ። ውሑዳት–ኣብ እንዳ ሻሂታት ኣስመራ የዕልሉዎ ከም ዘለዉ–ድማ እዚ ፈተነ-ቅትለት ብኣላይነት ጀነራል ፊሊጶስ’ዩ ተኻይዱ ይብሉ።

“ነቲ ንብዙሓት ዘወገነ መስርሕ ሰላም ኢትዮ-ኤርትራ (ብቐንዱ ከኣ ኣብይን ኢሳይያስን) ንትምዕንቓፍን ራዕዲ ንምእታውን ብኢትዮጵያ ዝተሰንዘረ ፈተነ’ዩ” ዝብሉ ወገና’ውን ኣለዉ። ገለኣቶም ነቲ ዝስጕም ዘሎ መስርሕ “ሕብረት” ዕንቅፋት ከይከውን ብደገፍቲ ኣብይ ዝተፈጸመ ክኸውን ከም ዝኽእል ክዛረቡ ከለዉ᎓ ካልእ ወገን ከኣ ብህወሓት ዝተደገፈ’ዩ ይብሉ።

“ብውልቃዊ ቂም” ዝተበገሰ ንኡስን ፖለቲካዊ ኣመት ዘይብሉን ዝብሉ ምድብ’ውን ኣለዉ።

ቅድም ክብል

ዝቐደመ 17 ዓመታት᎓ ብዘይ ዝዀነ ስልጣን᎓ ብስማዊ ሓላፍነትን ብፈዀኽታ ጥራይ “ኣለዉና” እናተባህሉ ዕድመኡ ዝጽብጸብ በዓል መዚ እንተ ነይሩ ስብሓት ኤፍሬም’ዩ። ድሕሪ ፖለቲካዊ ሓጎጽጎጽ 2001᎓ ኢሳይያስ ንሚኒስትሪ ምክልኻል ኣብ ዞባዊ ስርሒታት ጎዛዝዩ᎓ ኵሎም ኣዘዝቲ ሰራዊት ብመገዲ ስብሓት ዘይኰነስ ብቐጥታ ምስኡ ከም ዝራኸቡ ብምግባር ንጀነራል ስብሓት ንበይኑ ኣትሪፉዎ።ኣብ መጨረሽታ ድማ ብቤት-ጽሕፈት ሚኒስትሪ ምክልኻል (በለዛ፣ ዳሕራይ ከኣ ቤት-ገርግሽ) ከምኡ’ውን ቤት-ጽሕፈት ሚኒስተር ኣብ ባሊነኪ ጥራይ ከም ዝውሰን ገይሩ᎓ ሓውሲ ናብ ተሓዝ መዝገብ ዝጸጋጋዕ ስራሕ ወጊኑዎ።

ዕላማን ፈጸምቲን እዚ ፈተነ ቀስ ኢሉ ምፍላጡ ዘይተርፍ ኰይኑ᎓ ምናልባት ግን ብወገነይ ንጀነራል ስብሓት ኤፍሬምን ወትሩ ተወላዋሊ ባህርያቱን ብመንጽር ኢሳይያስ ንእሽቶ ክብል።

ብእኡ ከየብቅዐ ድማ ድሕሪ ማእሰርቲ ሚኒስተር ጸዓትን ማዕድንን ኣሕመድ ሓጅ ዓሊ (2013)᎓ ናብ ሚኒስትሪ ጸዓትንማዕድንን ብምምጻእ ኣብ ካልእ ስማዊ ስራሕ መዲቡዎ። ኵሉ ውዕላትን ኣታዊታት ማዕድን ብመገዲ ሓላፊ ቍጠባዊ ጕዳያት ህግደፍ ኣቶ ሓጎስ ገብረሂወት (ኪሻ) ጥራይ’ዩ ዝካየድ። ስብሓት ከኣ ከም ዝቐደመ ነቲ ስራሕ ዘይብሉ ሚኒስትሪ ኣማሚቝ ጸኒሑ።

ዝምድና ስብሓትን ሃሪሙ ዘይጸግቦ ኢሳይያስን

ኢሳይያስ ንዅሎም ሓለፍቲ ብኽቱር ምልኪን ምንእኣስን ዝመርሖም ደኣ ይዅን እምበር ኣብ ስብሓት በጺሑስ ሓለፋ ኣለዎ።ንኣብነት ንብዙሓት ኣዘዝቲ ሰራዊት ከምእኒ ጀነራል ፊሊጶስ ኣብ ብልሽውና ከም ድላዮም ክገብሩ ደኣ የኽእሎም እምበር᎓ ኣብ ቅድሚ መዛኑኦም ወይ ድማ መሳርሕቶም ከነኣእሶም ኣይረአን። ብኣንጻሩ እኳ ደኣ ብሕልፊ ምስ ፊሊጶስ “ኣብ ናቱ ጉዳይ ኢደይ ኣየእቱን’የ፣ ንዕኡ ኣይዛረቦን’የ” ኢሉ’ዩ ነቶም ከማልዶም ዝሓተቱዎ ዝምልሰሎም።

ንስብሓት ግን ንኣብነት ወትሩ ክጨርቀሉን ኣብ እኩባት ኣነኣኢሱ ክጽውዖን ይርአ። ንኣብነት፤ ኣብ 2006ን ድሕሪኡን ኣቢሉ ስብሓት ኤፍሪም᎓ ኣጽዒቑ ንኣስታት ኣርባዕተ ሰዓታት ዝኸደ ሰሚናራት ክገብር᎓ ኢሳይያስ ኣብ እኩባት፤ “እዚ ስብሓት’ሲ ሕማም ረሲዕ ሒዙዎ ከይህሉ᎓ እዚ ዝገብሮ ዘሎ መትሓዚ ዘይብሉ ዘረባታት ናይ ጥዕና ኣይመስልን። ሮናልድ ሬገን እኳ ብሕማም ምርሳዕ ይሳቐ ከም ዘሎ ከይተፈልጠ ነዊሕ’ዩ ጸኒሑ ነይሩ፣ ስብሓት ከኣ ካብተን ሬገን ሓሚሙ ከሎ ዝህበን ዝነበረ መደረታት ኣብ ኢንተርነት ረኺቡ ዝጥቀመለን ዘሎ ይመስል᎓” ይብል ነይሩ።

ስለምንታይ’ዩ ግን ኢሳይያስ ንስብሓት ካብ ኵሉ ወሳኒ ተራ ኣልዩዎ ከሎ ቀጻሊ ክደቝሶ ዝፍትን? ንምዃኑ ስብሓት ኣስጋኢ ሓይሊ ዲዩ?

ኣብተን ኣዝየን ወሰንቲ ዝብሃላ ጉዳያት᎓ ስብሓት ምእዙዝነቱ ንኢሳይያስ ብግቡእን ዘየወላውል መገዲን ኣርእዩ’ዩ። ኣብ ምንቅስቓስ መንካዕ 1973᎓ ይቕረታ ብምሕታት ናብ ደንበ ኢሳይያስ ተጸንቢሩ ጥራይ ዘይኰነስ᎓ ቀልጢፉ “ተሃዲሱ” ነቶም ገዳይ ተጋደልቲ ኣብ ምውጋእን ምድኻምን ብተወፋይነት ሰሪሑ።

ኣብ 2001 ዘጋጠመ ፖለቲካዊ ቍርቍስ ድማ ነቶም ብጕጅለ-15 ዝፍለጡ ደለይቲ ለውጢ ኣይተጸንበሮምን ጥራይ ዘይኰነስ ኣብ ወሳኒ እዋን ከም ዝኸድዖም ገለ ካብቶም ዝተረፉ ኣባላት’ቲ ምንቅስቓስ ብተደጋጋሚ ዝዛረቡዎ’ዩ።  ኣብ ስርሒት ፎርቶ 2013 ከኣ ከምቲ ብሰፊሑ ዝዝረብ ኣማላዲ ኰይኑ ንደለይቲ ለውጢ ኣግዲዑ ጥራይ ዘይኰነስ ኢዶም ንኽህቡ ሰሪሑ።

ወትሩ ንኣገልግሎት ኢሳይያስ እናሰርሐ ግን ገና ኣይምስገንን ጥራይ ዘይኰነስ ወትሩ ክደቝሶ ዝደልየሉ ካልእ ምኽንያት ኣሎ። ገለ ካብቶም ብኢሳያይስ ዘይድነቑ ባህርያት ስብሓት ኤፍሬም ከምቶም ካልኦት ኣዘዝቲ ሰራዊት ብብልሽውና᎓ መስተ᎓ ዝሙትን ዝተበታተነ ስድራ ምምራሕን ስለ ዘይሕመን ዘይፍለጥን ምዃኑ’ዩ። ኣብ ማእከሎትን ታሕተዎትን ተጋደልቲ ገና “ካብ ናይ ወርሒ ኣካዳሚ ክልተ ሰዓት ዕላል ወዲ-ኤፍሬም ይበልጽ” ዝብሉ ኣድነቕቱ ኣዝዮም ብዙሓት ብምዃኖም ከኣ ናብ ኢሳይያስ ጥራይ ከብል ዝነበሮ ክብሪ ኣብ ምጭራት ዘየድሊ ተጻብኦ ይገብር’ዩ።

ዝያዳ ኵሉ ግን ናብኡ ክመርሑ ዝኽእሉ ኵላቶም መሓዉራት ደኣ የሰንክሎም እምበር᎓ እቲ ብደተጋጋሚ ህዝቢን ኣዘዝቲ ሰራዊትን “ግዜ’ዩ ዝሕሉ ዘሎ’ምበር ሓደ መዓልቲስ ክዓልዎ’ዩ” ዝብል ተደጋጋሚ ዘረባ ናብ ኢሳይያስ ስለ ዝበጽሕ᎓ ከም ተኽእሎ’ውን ኣመና ይትሓት ደኣ’ምበር᎓ ከም ሓሳብ ምልዓሉ’ውን ኣየኽእሎን። መን ምዃኖም ብዘይገድስ ዝተበገሱ ደለይቲ ለውጢ “ብዙሕ ሰብ ዝቕበሎን  መሰጋገሪ ክኸውን ዝኽእልን” ዝብል በጨቕታ ስለ ዘስምዑ ድማ ኣብ ኣዒንቲ ኢሳይያስ ብሬሳኡ’ውን ዕቝር ተቓውሞ’ዩ።

ዓቕሚን ቅሩነትን ጥራይ ዘይኰነስ ዝነኣሰ ተኽእሎ’ውን ኣለዎም ዝብሎም᎓ ብህዝቢን ሰራዊትን ተቐባልነት ዘለዎም መራሕቲ ኣብ ቅድሚ ኢሳይያስ ወትሩ ኣስጋእቲ’ዮም። ብሕልፊ ድማ ገዳይም ተጋደልቲን ነቲ መስርሕ ዝተሳተፉዎን ምስ ዝዀኑ ኣስጋእነቶም ዝያዳ ይዓቢ። ስለዚ ከኣ’ዩ ኣምባሳድር መሓመድ ዓሊ ዑማሮ᎓ መዋእሉ ንኤርትራ ከይኣተወን ብማዕዶን ጥራይ ብኣምባሳዳርነት ከጋውሖ ድሕሪ ምጽናሕ᎓ (ምናልባት ኣብ ኤርትራ እንተ ተቐሚጡ ፈተነ ዕልዋ መንግስቲ ምስ ዝገብር ተቐባልነት ክህሉዎ ስለ ዝኽእል) ኣብ መጨረሽታ ኣዳህሊሉ ከም ዝኣቱ ብምግባር ኣብ ማእሰርቲ ከም ዝብሊ ዝገብሮ ዘሎ።

ናይ ስብሓት ፈተነ ቅትለት᎓ በበይኖም ተኽእሎታት ደኣ ይሃልዎም’ምበር ኣብ ኣዒንቲ ኢሳይያስ᎓ ነዊሕ ተጸብዩ ዝቐበጾ ደላይ ለውጢ ህዝቢ᎓ ኣብ ወሰንቲ እዋናት ዝጠለሞም መጋድልቱ… ኰታስ ብዅሉ ወገናት ናብ ምጽያን ገጹ ዝቐረበ’ዩ።  

“ሓደ መዓልቲ ስረ እንተ ዓጠቐ…” ዝብል ግምት ግን ኣበይ ከይተርፍ።