“ንውሽማ ጀነራል ፊሊጶስ ዝፈልጣ ሰብ ንደሊ ኣሎና”

“ኣብዚ ናይ ክረምቲ ዕረፍቲ ደኣ ንኤርትራ ክትበጽሕ ዲኻ?” ዝብል ዘረባ መማህረትይ ዘንቀሎ ሓሳብ’ዩ። ብዘይካ ኣይፋል ካልእ ኣይበልኩዎን᎓ ብውሽጠይ ግን ገለ ካብቲ ምኽንያታት እጽብጽብ ነይረ፤

  1. “ኣብ እንዳ ፊሊጶስ ኢና ተኣሲርና ኔርና” ዝብል’ሞ (ዝበዝሓ ኣብያተ-ማእሰርቲ ኤርትራ ናይ ኣዘዝቲ ሰራዊት ትካላት እምበር ገበነኛታት ዝቕጽዑለን ስለ ዘይኰናስ ብኣስማት ኣዘዝቲ ክጽውዓ ንቡር’ዩ) ድሕሪ ዓመት ማእሰርቱ ብሰበ-ሰብ ወጺኡስ (እንኮላይ ካብታ ሃገር) ንዅነታቱ ምስ ሓተትኩዎ “ዳርጋ ኣብ ሕጽኖት ዝነበርኩ’የ ዝመስል። ከምዚ ኣነ ዝነበርኩዎስ ንኻልኦት ይፍጠረሎም’ዩ ዘብል” ኢሉኒ። ዝርርብ ቀጺሉ ብዛዕባ እቶም ተሪፎም ዘለዉ መተኣስርቱ ምስ ተላዕለ ድማ᎓ “ብሓቂ ጽቡቕ’ዮም ሒዞሞም ዘለዉ፣ ብዓል እገለ ዘየድልዮም ምስ’ቶም ዋርድያ ይጓረፈጡ ነይሮም᎓“ ይቕጽል። ኣብ መጨረሽታ–ዋላ ሓንቲ ምኽንያት መእሰሪ ኣይሃሉዎም ደኣ’ምበር–እቲ ፍታሕ ኢሉ ዘቕርቦ፤ “ሕጂ ንዓርኪ ፊሊጶስ ዝዛረባ ኢና ንደሊ ዘለና። ንሳ እንተ ተዛሪባቶስ ክወጽኦም ይኽእል’ዩ።”

ኣነ ከኣ ብገርሀይ ዓርኪ ጀነራል ፊሊጶስ መን ምዃና ይሓትት። “እታ ኣብ ኣስመራ ፓላስ ዘቝርሳ ዝነበረ ‘በይቢ’ ዝብላ ዝነበረ በዓልቲ ማርካቶ እኳ ገዲፉዋ’ዩ። እዛ ሕጂ ሒዙዋ ዘሎ ግን ዓርኪ እገለ ዝነበረት… ኵስቶ ሽማ ኣብ ከተማ ድኳን ቡቲክ ከፊቱላ ዘሎ…። ከመይ ጌርካ ንስኻ ዘይትፈልጣ?” ለካስ ኵሉ ሰብ’ዩ ዝፈልጣ። ኣብ ዩትዩብ ደልዩ ከኣ ኣቕሪቡለይ።

  1. በቲ ሓደ ዘይዕገት ወልፊ ኰይኑ᎓ በቲ ካልእ ከኣ ንገለ ብተምሳል ሰብ ዝተሰርሑ ሓሸራ-መሰል-ኣተሓሳስባ ዘለዎም ሰባት ደሃይ ንምግባር᎓ ኣብ ፈይስቡክ ምስ ተኣለኹ ከምዚ ዝስዕብ ጽሑፍ ጎፍ ይብለኒ። እዚ “ኵሉንትናይ ንሃገረይ” ብዝብል ኣተሓሳስባ ናይ ፈይስቡክ ስእላ ናይ ሃገር ባንዴራ ዝገበረት ሰብ–ንምርድዳእ ክጥዕም ቍ1001 ንበላ–እታ ሃገር ከም ዘላስ ያኢ ብዛዕባ ሕብርታት ባንዴራ ድሕሪ ምስባኻ፤ “ንተወሳኺ ከኣ᎓ 1. ዓሰርተ ትእዛዛት ኣምላኽ እንተኣኽቢርና 2. ሕድሪ ስዉኣትና እንተኣኽቢርና᎓ 3. ትርጕም ባንዴራና እንተኣኽቢርና᎓ ካልእ እንታይ ይተፈና። እቲ ቅዋምዶ ወይ ስርዓት መንግስቲዶ ዝብሃልሲ ዓንቀጻት ወሲኽካ ካብዚ ዝሓልፍ ኣይኮነን። ነቲ ኣብ ኢድና ዘሎ ብልዑል ተገዳስነትን ተወፋይነትን ንስርሓሉን ንንበረሉን። ከምዝመስለኒ ግን᎓ ኣብ ኤረ-ቲቪ ን ካልእ ሜድያታትን ብዛዕባ ባንዴራና ኣስተምህሮን ጎስጓስን ከድሊ እዩ᎓” ይብል። ነቲ ጽሑፍ ካልኣይ ሳዕ ቅድሚ ምንባበይ ቡን ኣዚዘ ብዛዕባ ቍጽሪ 1001 ክሓስብ ጀሚረ። ሓሙሽተ ምሉኣት ህዋሳት᎓ ኣርባዕተ ምሉእ መሓዉር ዝተዓደለትን በታ ብዙሓት እንምክሓላ ዩኒቨርስቲ ኣስመራ ዝሓለፈትን ኰይና ከም ሰባ ከኣ በቲ ንቡር ናይ ኤርትራያን ናይ ኣገልግሎት ምጕስቓል ከኣ ጥዒማቶ’ያ። ደጋጊመ ሓሲበሉስ ኣብ መንጎ ድንቍርናን ረብሓን ምፍላዩ ጸጊሙኒ።

3. ብዘይካ’ተን “መንእሰያት ኤርትራ ንኸልምሳ ብሰላያ ምዕራብ ዝተላእካን ኣሳሰይቶም ከም በዓል ወያነ ዝቕለሳን ውጉዛት ሃይማኖታት” ከም እኒ ጴንጠ-ቆስጠ᎓ ጆሆቫ᎓ ባሃይን… ከምኡ’ውን “ሰላም ቀርኒ ኣፍሪቃ ክዛረጉ ዝተዓጥቁ ጥሩፋት ኣስላም᎓” እቲ ወግዓዊ “ፍቑድ” ሃይማኖት ኦርቶዶክስ’ውን ብመንፊት’ዩ ዝሓልፍ ዘሎ። ክንዲ ዝዀነ ከኣ’ዮም ራብዓይ ፓትሪያሪክ ኤርትራ ብጹእ-ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ኣብ ማሕዩር-ቤት ዝበልዩ ዘለዉ። እዚ እናዀነ እምበኣር᎓ ሰበ-ሰልጣን ኤርትራ ብግህሰት ሃይማኖት ክውቀሱ ንቡር’ዩ። ቀዳማዮም ከይኣኽሎም ግን ሚኒስተር ዜናን ካልኦት ተወርወርቲ ሓይልታት “መኸተን” ኣብ ኤርትራ ብዙሕነት ሃይማኖት ከም ዘሎ ኣምሲሎም ኣብ ትዊተር ይነጋገሩ ኣለዉ። ሃይማኖት ባሃይ ተዓጽዩ ደኣ ይሃሉ እምበር (ከም ካልኦት ሃይማኖታት)᎓ ያኢ እታ “ባሃኢ ማእከል” እትብል ታቤላ ስለ ዘይወረደትን እምነ-በረድ ስለ ዘይተሓከን ገና እቲ ሃይማኖት ፍቑድ ከም ዘሎ ኣምሲሎም ይዛረቡ ኣለዉ። “ኦ ፈጣሪ በደሎም ሕደገሎም” ኢልካ ካብ ምጽላይ ንላዕሊ ዝብሃሎ የብሉን።

4. ካብ ኤርትራ ሃዲሙ ንሱዳን ብሰላም ምስ ኣተወ᎓ “ትገብሩዎ ዘለኹም ስራሕ ንከታትሎ ኢና፣ ሕጂ ኣብ ኣፍንጫኦም ስለ ዘለና እምበር ኣብ ጎንኹም ኢና ዘሎና” ክብል ዝጸንሐ “ግዱስ” ዳሕራይ ኤውሮጳ ምስ ኣተወ᎓ ክዛረብን ክጽሕፍን ምስ ዝሕተት “ደቀይን በዓልቲ-ቤተይን ኣብ ኤርትራ ስለ ዘለዉ ከውጽኦም ይሓስብ ኣለኹ’ሞ…” የምኽኒ። ጽቡቕ ኣጋጣሚ ኰይኑ ደቁን በዓልቲቤቱን ብሰላም ምስ ተሓወሱዎ–ምቅዋሙን ምድጋፉን ለውጢ ሃልዩዎ ዘይኰነስ ንስለ ዘረባ ኢልካ᎓ “እሞ ሕጂ’ኸ እንታይ ተሪፉ?” ምስ እትብሎ᎓ “ጓል ሓትነይ ዓቢ ትካል ኣለዋ’ሞ ከይጠማመቱዋ…”

5. መዋእሉ “ኤረየ ንሎሚ’ዘመን እምበር ንዓመታስ ሸዊት ለምለም” እናዘመረን ብተስፋ ጽባሕ እናተቐለበን ክሳለ ዝጸንሐ ህዝቢ᎓ ማዕድናት ወጺኡስ መሸጣ ምስ ጀመረ መነባብሮ ብዕጽፊ’ዩ ሓሲሙዎ። ብጽሒት ሃገር ናብ ካዝናታት ሓጎስ ገብረሂወት (ክሻ)ን ኢሳያስ ኣፍወርቂን (ኣብ ቻይና ብምትሕብባር ጸጋይ ተስፋጽዮን (ድንሽ) እናሰገረ) እቶም ብስእሊን ኢንተርነትን ጥራይ ንዓዶም ዝፈልጡዋ “ምሩጻት ሰብ ስረ” ግን “ኤርትራ ካብ ዕድና ቢሻ ጥራይ 1.2 ቢልዮን ዶላር ኣታዊ ገይራ” ኢሎም ይዝምሩ ኣለዉ። ዕደና ቢሻ ኣዝዩ ንኡስ ካብቲ ዓቢ ወፍሪ ዕደና ደኣ ይዅን እምበር᎓ ብምሉኡስ ይትረፍ ሓደ ዕስሪት ናይዚ ዝብሉዎ ዘለዉ ኣሃዝ ኣበይ ኮን እተወ ኢሎም እንተ ዝሓቱስ ክንደይ ኮን ምጸበቐ? ስቡሕ ኢንዳስትሪ ዕደና ምስ ጀመራ ንዓመታት ብሰላም ዝኸይድ ዝነበረ ቀረብ መብራህቲ’ውን ዘይትኽእል ሃገር ደኣ…

… እንድዒ እዋእ!

6. ኣብ ኤርትራ ከሎ ኣብ ኣኼባ ስራሑ “ቅዋም ስለምንታይ ዘይትግበር ኢለ ሓቲተስ ተኣሲረ” ኢሉ ከእምነኒ ህርድግ ዝብል’ሞ᎓ ኣብ ናይ ዑቕባ ወረቐቱ “ዕሉል ናይ ውሽጢ-ውሽጢ ተቓዋሚ” ምንባሩ ምስክርነት ክጽሕፈሉ ዝሓትት ሰብ ሕጂ ኣብ ውሑስ ቦታ ምስ በጽሐ᎓ ካልእስ ይተረፍ ኣብ ፈይስቡክ ንዝጸሓፍ ነቕፌታ’ውን “ላይክ” ምጥዋቕ ዘፍርሖ ሰብ ገጢሙኒ።

“ኣብ ኤርትራ ከለኹ ብውሽጢ-ውሽጢ ይቃወም ነይረ ትብል እንተዀንካ ደኣ’ሞ ሕጂ እንታይ ኴንካ ዘይትቃወም?” ሓቲተዮ።

“ሕጂ ደኣ… ኣሎካ ምሽ… ሕጂ ከኣ… ሕጂስ…”

 

…በዚን ክንድዚን ከኣ’የ ስርዓት ኢሳያስ ኣብ ስልጣን ከሎ ክምለስ ዘይከኣልኩ፣ ክምለስ’ውን ዘይኰንኩ። ድምር ስቓይ ብዙሓት ክርኢን ብዋጋ ቃንዛኦም ክረአን ሕልናይ ኣይገብረለይን። ነዚ መምሃርተይ ግን ነዚ ኵሉ ከመይ’ለ ዘርዚረ የረድኦ?