ተኽእሎ ሰላም ልዕሊ ህሉዊ ዕግርግር ከርዕድ ከሎ

(እዚ መዘከር ሓተታዊ ቃና ከይህሉዎ ዝከኣለኒ ፈቲነ ዝተዓወትኩ ግን ኣይመሰለንን’ሞ ምስናይ ይቕረታኡ።)

ብዕለት 5 ሰነ ገዛኢ ሰልፊ ኢትዮጵያ–ኢህወደግ–ንዘተ ሰላም ስምምዕ ኣልጀርስ ምሉእ ብምሉእ ከም ዝተቐበሎን ንትግባረኡ ድሉዊ ምህላዉን ድሕሪ ምሕባሩ᎓ እቶም ፊስካ ክንፍሓሎም’ሞ ናብ ዝተመልከተሎም ኣንፈት ክነብሑ ዝጽበዩ ተጣበቕቲ ጭቆና ገዲፍና᎓ እቲ ንፍትሒ ዝቃለስን ዝጣበቕን ወገን ማዕረ ጽንብል ናጽነት ብዝቃረብ ደስታ’ዩ ተቐቢሉዎ።

ልዕሊ ክልተ ሰሙን ሓሊፉ ብዘይ ዝዀነ ወግዓዊ መልሲ ብወገን ኣስመራ ስቕ ምስ ተባህለ ድማ ብዙሓት ንኤርትራ ኣመልኪተን ዝዓያ መራኸቢ ብዙሃን (ብቐንዲ ከኣ ሓይሊ ተቓውሞ) ነቲ ዘይምኽኑይ ስቕታ ኣትሪሩ ኰኒኑዎ። ኰኒኑዎ ጥራይ ዘይኰነ ከኣ ሰላም’ውን ንኢሳይያስ ውጽኢታዊ ዘይምዃኑን ከም ዘይምነዮን ብዙሕ ተጻሒፉን ተዘሪቡን። (ብወገነይ እኳ ኢሳይያስ ንሰላም ፍጹም ቅሩብ ዘይምዃኑ ኣምልኪተ ክልተ ዓንቀጻት እዚእዚን ጽሒፈ።)

ልክዕ ኣብ ክልተ ሰሙኑ᎓ ብምኽንያት ዝኽሪ መዓልቲ ሰማእታት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መደረ ግን ፕረሲደንት ኢሳይያስ ንጻውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ከም ዝተቐበሎ ጥራይ ዘይኰነስ ብኣካል ንምዝርራብ ልኡኽ ክሰድድ ኣብ ምድላው ከም ዘሎ ጠቒሱ። በዛ መደረ’ዚኣ እቶም ሓበሬታ ደንጒዩዎም ከቕለልዉ ዝጸንሑ ደገፍቲ ኣንፈት ስለ ዝተሓበሮም ከም ወትሩ ክነብሑ ከለዉ᎓ ንሓያሎ ዘገረመ ግን እቶም ተሓለቕቲ ሰላም ምዃንና ክንምድር ዝጸናሕና ኣስቂጥና ጥራይ ዘይኰነስ᎓ ራዕዲ ዝኣተወና’ውን መሲልና።

ኣብ ውሽጢ ሰዓታት “ኢሳይያስ ኣይእመንን’ዩ”፣ “ቅሉዕ ደብዳበ ናብ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብይ”፣ “መን’ዮም ዝውክሉና?” ወዘተ. ግን ከኣ ብኽቱር እስትሕቃርን ናይ ዳእላ ቃናን ግብረ-መልሲ ክውሕዝ ጀሚሩ።

ብወገናይ ኣብ መደረ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ኣመና ዘቖጥዓኒ ቃና ነይሩ። ንኣብነት᎓ ኣብዚ ናይ ዘተ ጕዳይ ወሳኒ ተራ ክጻውት ምዃኑ ዘይዝንጋዕን ቀንዲ መሻርኽቲ ምዃኑ ዘይተርፍን ንገዛኢ ሰልፊ ክልል ትግራይ ህውሓት ምንሻው ሓላፍነታዊ ኣይነበረን ጥራይ ዘይኰነስ ንሕማቕ ኣንፈት ዘርኢ ዝተክል’ዩ። ብቐንዱ ሃንደስቲን ኣተግበርቲን እዚ ህይወት ኣሽሓት ዝወሰደ ኲናት ክልተ ናይ ቀረባ ውድባት ህውሓትን ህግደፍን ኣብ ክንዲ ጌጋኻ ኣሚንካን ንህዝቢ ብቕኑዕ ልቢ ይቕረ ምሕታት᎓ ሕጂ ከኣ ካልእ ተዃታዂ ቋንቋ ምዝውታር ዝገደደ ሳዕቤን ክህሉዎ’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ድማ እቶም ነባሖ ካብታ መደረ እናጨራረሙ ከጋውሑ ምዃኖምን ምህላዎምን’ዩ።

ብሚኒስተር ወጻኢ ጉዳያት ኤርትራ ኣቶ ዑስማን ሳልሕ ዝምራሕ ልኡኽ ንኢትዮጵያ ድሕሪ ምኻዱ᎓ ዘይከምቲ ክዀኖ እንጽበዮን ሓያሎ’ውን ንምነዮን ዝነበርናን “ሕጂ በይንና ተሪፍና” ዘስምዕ ቃና ብብዙሓት ኣብ ቃልሲ ኣንጻር ምልኪ መሪሕ ተራ ክጻወቱ ዝጸንሑ  ሰባት ክቀላቐል ጀሚሩ። ኣብ ማሕበራዊ መራኽቢታት (ብድሙቕ ሕብሪ ጭርሖ ክትጽሕፍ ዘኽእል ምህዞ ፈይስቡክ ተወሲኹዎ) ንደቓይቕ ምጽናሕ’ውን ዕግርግር ዘምጽእ ሕንፍሽፍሽ ስዒቡ።

መዋእልና ዘዛረበና ፍጹም’ውን ዕጽፍ ዘይብል ደረቕ ኣካይዳ ህግደፍ ከም ዘይነበረ᎓ ንዕኡ ሰጊሮምን ትዕቢቶም ውሒጦምን ንኣዲስ ኣበባ ምኻዶም ኣብ ክንዲ በቲ ምትዕጽጻፍ እንሕጐስ ብዙሓት ክንስንብድ ጀሚርና። ኣብ መራሕቲ ኤርትራ ተራእዩ ዘይፈልጥ ልዙብ መደረ ሚኒስተር ዑስማን ሳልሕ (ብግልጺ 27 ዓመታት ከሲርናዮ ኢሉ ዝእመን) ግን ካብ ሃመማ ሓኸለ ከም ምውጻእ “መራሒና ኢሉ” “ዶብ ኣየድልን’ዩ ኢሉ” ዝብል ነቲ ዘረባ ኣንፈቱ ዘስሕትን ፈጺሙ ጌጋ ትርጕም ዝህብን ኣጕል ትንታነ ቀጺሉ።

ልዕሊ ዝዀነ ኣሻቕሊ ኣንፈት ግን ነዚ ዝመስል ኣዝዩ ዕቱብ ጉዳይ ሓያሎ ክጨርቁሉ ምርኣይ’ዩ።

ኣቶ የማነ ገብርኣብ ብኣምሓርኛ ምዝራቡ ከኣ ብገሊኣቶም ዝገደደ ስዕረት ስለ ዝተሓስበ ክሕጭጩ ጀሚሮም። ተመሳሳልቲ ሰባት ግን ኣቐዲሞም ኤርትራ ልዝብ ዘይምባላን ዲፕሎማሲያ ቋንቋ ምስኣናን ክምድሩ ዝጸንሑ’ዮም።

“ኣብ ኢትዮጵያ ሰሙን ዳርጋ ተሓጺነ መጺአ” ኢሎም/ኢለን ንማሕበራዊ መራኸቢታት ከዕለቕለቑ ዝጸንሑ ወገናት ከኣ ሰበ-ስልጣን ኤርትራ ንኢትዮጵያ ምኻዶም ዝዓበየ ስዕረት ምዃኑ ክጽሕፉ ጀሚሮም።

(ኣብ ኵሉ’ዚ ዝርርብ ዝተረስዐን እቲ ጉዳይ ፈጺሙ ከም ዘይምልከቶ ዝሕለፍ ዘሎን ዝነበረን ግን እቲ ብሰንኪ’ሲ ኲናት ዝሰዓበ ወጥሪን ንዘይ ንቡር ከም ንቡር ወሲዱን ርዒሙን ብቐጣን ፈትሊ ህላውነት ዝጓዓዝ ዘሎ ህዝቢ ክልቲኡ ወገናት’ዩ። ብሕልፊ ነባሪ ከባቢ ዶባት ክልተ ወገናት ኣብዚ ጕዳይ መሪሕ ድምጺ ክህልዉዎ ዝነበሮ’ኳ እንተዀነ᎓ ዝዘከሮ ግን ኣዝዩ ውሑድ’ዩ።)

“ኣገልግሎት ዘይኰነስ ጊልያነት’ዩ” ኢልና ኣብ በብይኑ መድረኻት ዝመደርናን ሞያ ዝገበርናን ግን እዚ ሰላም’ዚ ነቶም ኣብ ጊልያነት ዘለዉ ኣባላት “ሓይላታት ምክልኻል ኤርትራ” እንታይ ዝመስል ሩፍታ ኰን የምጽኣሎም ምባል ዝረሳዕና ንመስል።

ተራ ህዝቢ ድላዩ ምዀነ᎓ ቀንዲ ዘሰከፈኒ ግን ኣተሓሕዛ መራኸቢ-ብዙሃን ንፍትሒን ሰላም ኣመልኪተን ዝጣበቓ መርበባትን ረድዮታትን’ዩ። ንኣሰናዳእተን ዘሎኒ ውልቃዊ ኣኽብሮት ኣብ ቦታኡ እናሃለወ᎓ ቅድሚ ሕጂ ዝገበሩዎ ነዊሕ ኣስተዋጽኦ እዚ ንእሽቶ ኣጋጣሚ ከም ዘይብልሎ እናስመርኩ፤ ኣስማሪኖ.ኮም ኣቐዲማ መግለጺ መንግስቲ ኤርትራ ኣብ ጻውዒት ሰላም ኢትዮጵያ ከምኡ’ውን ድሕሪ ዝርርብ ክልተ ወገናት ዝወጸ ዝተመስርሐ ድምጺ ኣደናጋሪ ጥራይ ዘይኰነስ ኣመና ዘይሓላፍነታዊ መሲሉ ይስመዓኒ። ረድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ (ተመሳሳሊ ርእይቶ ብተመሳሳሊ ውልቀሰብ’ውን ኣብ ረድዮ ኣሰና ተኣንጊዱ) ሓውሲ ንድምጺ ተቓውሞ ሓይልታት ኤርትራ ወኪላ ዘቕረበቶ ርእይቶ ዕሸላዊ ትንተና’ዩ ነይሩ (ብኣረዳድኣይ)። ረድዮ ኤስ.ቢ.ኤስ. ኣቐዲማ ርጡብ ትንተና ኣቕሪባ ደኣ ትንበር’ምበር (ኣብዚኣብዚን) ድሕሪኡ ዝስዓበ ግን ምስኡ ዝዳርግ ኣይነበረን።

ከምዚ ኣብ ዝመስል ኣዝዩ ተኣፋፊ እዋን ነቲ ኣንፈቱ ስሒቱ ዘሎ ድምጽታት ብመጠኑ ከማእዝነኦ እንጽበየን (ካልእ ኣማራጺ ስለ ዝተዋሕደና) እዘን ዘለዋና መራኸቢ-ቡዝሓን ኢየን።

ተኽእሎ ሰላም ክንድዚ ዘፍርሕ ግን ስለምንታይ’ዩ? ኣብ ኤርትራ ሰላም እንተ ነጊሱ ጉዳይ ዶብ እንተ ተዓጽዩን ኢሳይያስን ህግደፍን ነቲ ገደብ ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ክቕጽሉዎ ከም ዘይክእሉ ርዱእ’ዩ። እቶም ንፍትሒ ኣመልኪትና ክንዛረብን ክንምጉትን ዝጸናሕና᎓ እቲ ጉዳይ ናይቶም ኣብ ሃገራት ምዕራብ ኣብ ዝሓሸ መነባብሮን ጥጡሕ ሃውሁን ዘሎና ዘይኰነስ ናይቶም በቲ ሕሱም ምልኪ ዝግረፉ ዘለዉ ነበርቲ ውሽጢ ሃገር፣ ናይቶሞ ብተስፋ ምቝራጽን ምርካብን ኣብ ሰንፈላል ጕዕዞ ዝርከቡ ዘለዉ፣ ናይቶም ውልቃዊ ህይወት ምምራሕ ስኢኖም ኣብ ፈቐዶ መዓሰከራት ስደተኛታት ዝበልዩ ዘለዉ፣ ናይቶም ኵሉ ዕድለት ተነፊጉዎም ተዓፊኖም ዘለዉ… ዜጋታት’ዩ። ተኽእሎ ራህዋን ሰላምን ነዚኣቶም ክመጾም ምርኣይ ክሳብ ክንድዚ ከርዕድ ደኣ ስለምንታይ?

ንንእሽቶ (እሞ ከኣ ውጽኢቱ ዘይፍለጥ) ተርእዮ ወተሃደራዊ ፈተነ ዕልዋ ፎርቶ 2013 ከም ኣኣንፋቲ ለውጢ ክንዲ’ቲ ካብ ጸንበልናዮ… ብንቡር መስርሕ እሞ ከኣ ንዘላቒ ተኽእሎ ሰላም ኣንፈት ምሃቡ…

ክኸውን ዝነበሮ (ሰላም ምስ ዝመጽእ ከኣ ግድን ዘይተርፍ’ዩ) ምስ’ዚ ተርእዮታት ሰላም᎓ ኣብ ኤርትራው ቅዋማዊ መንግስቲ ክትከል᎓ እሱራት ሕልና ክፍትሑ᎓ ገደብ-ኣልቦ ሃገራዊ ኣገልግሎት ደው ክብል᎓ ዶባት ክኽፈት᎓ ንግዲ ክጅመርን መሰል ሰብ ክሕሎን… ጸቕጢ ምግባርን ምስ መሻርኽቲ ኣካላት እዚኣቶም እቶም ቀዳምነታት ህዝቢ ምዃኖም ኣበርቲዕካ ምምጓትን’ዩ።

ሕጂ’ውን ገና ኣንፈቱ ዘይተፈልጠ መስርሕ ሰላም ኣፍካ መሊእካ ዘዛረብ ኣይኰነን። ካልእ እንተ ተረፈ ግን እቲ ክንጣበቕሉ እንጽበዮ ኣንፈትን ክዀኖ እንምነዮ መስርሕን ጽቡቕ ትንቢና ምግላጽ’ከ ናይ መን ኰይኑ?

ብኣባ ገብረየሱስ ሃይሉ ኣብ 1927 ተጻሒፋ ኣብ 1950 ኣብ ዝተሓትመት ቀዳመይቲ ልብ-ወለድ ኤርትራ ሓደ-ዛንታ፣ መወዳእታ መስመራት እታ መጽሓፍ (ዕርዕር ደኣ ይበል’ምበር) ክጠቅስ፤ “’ዋና ዘይቢሉ ዋና ዘይቢሉ፣ ዋና ዘይቢሉ ሓበሻየ ከምኡ እንድኣሉ’ ሕሊናና ሞይቱ ኢዩ። ግን ንኡ ዘልዕል ዘመን የምጽኣልና።”