ተስፋጽዮን፡ ትራምፕ፡ ብሪግዚት፡ ባንዴራ፡ ስዉኣት፡ ኵሕሊ፡ በረድን ካልኦትን

ብሓቂ ድዩ ኣዛራቢ ጉዳይ ኰይኑስ ብዛዕባ ህሉዊ ተርእዮታት “ተስፋጽዮን”ን ካልኦት ብነብሰ-በታኽነት ዝሕመሉ ዘለዉ ክጽሕፍ ኢለ ደጋጊመ ሓሲበ። ኣብ መጨረሽታ ግን ኣመጻጽኣ ዶናልድ ትራምፕ፡ ኣወጻጽኣ ብሪጣንያ ካብ ኤውሮጳዊ ሕብረትን ኣፈላልቓ ሓደገኛታት መራሕቲ ዓለምና ከም እኒ ሂትለር ብዓቢኡ፣ ኢሳያስ ኣፍወርቂ ድማ ብደረጃ መዐቀኒ ብልቃጥ ዘኪረስ ሓሳባተይ ክገልጽ ተደፋፊአ።

ክቱር ነድሪ ውጽኢት ነዊሕ ዝኸደ ዓመጽ፡ መወዳእታ ዘይብሉ ቀንፈዘው ስደት (እቲ ዝኸፍአ ድማ ኣብ መዕረፊየይ በጺሐ ኣብ እትብለሉ እዋን ምዃኑ)ን “ተሓታትነት” ዘይብሉ ኣገባባት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተደሚሩዎን ብዙሕ ሰብ (ነብሰይ ሓዊስካ) ዕርቃኑ ክወጻእ ተቐሲቡ ኣሎ። ስለዚ ድማ’ዩ፡ ሎሚ ኣብ ዓንኬላት ማሕበራዊ መራኸቢታት ኤርትራ ዝዀነ ኣቓልቦ ዝሰኣነ ብሓንቲ ለይቲ ዝና ንኽረክብ ዕድል ገይሩ። ሰማእታት ዝጸርፍ፡ ባንዴራ ዘቃጽል፡ ንቓልሲ ዘከሻምሽ… ከከም ግዜኦምን ኵነታቶምን–ንሳቶም’ውን ብዝዀነስ ይዅን ጥራይ ኣዛራቢ ኣርእስቲ ንፍጠር ብዝመስል ተበግሶ–ኣቓልቦ ንኽጥምዝዙ ባይታ ተጸሪጉሎም። ብዘይ ዝዀነ ርጡብ ሓሳባትን ብዘይካ ጥሪፍሪፍ ዝብላ ዘለፋ ንሓንቲ ደቒቕ’ውን ክኸይድ ዘይክእል ምጕት ሒዝካ ኣቓልቦ ክትስሕበሉ እትኽእል ምቹእ ሃዋሁ ስለ ዘሎ ከኣ ንብዙሓት “ኣህቢቡዎም”። እቲ ህቡብነት ግን ግድን ንሓደ ጽቡቕ ኣንፈት ኣብነት ዘይክኸውን ይኽእል’ዩ። [ንኣብነት እኳ ኣቓልቦ ክስሕቡን ኣብ መራኸቢ-ብዙሃን ክዝረበሎምን ኢሎም ጥራይ ኣብ ግብረ-ሽበራዊ መጥቃዕቲ ዝዋፈሩ መንእሰያት ኣመና ብዙሓት’ዮም። ብሕልፊ ኣብ ሃገራት ምዕራብ፡ እዚ ዝመስል ተርእዮ ብተደጋጋሚ  ኣብ ኣብያተ-ትምህርቲ ህጻናት ብምቕታል ክፍጸም ይርአ።]

ምናልባት ግን ብዝሒ ድምጺ፡ ድጋፍን በጻሕቲን ማሕበራዊ መራኸቢታት ንደረጃ ሓሳባት ዝገልጽ ዘይምዃኑ ኣከራኻሪ ኣይኰነን። ካልእስ ይትረፍ ስእሊ ሓደ ሓዊ ዝነድድ ዘሎ ቈልዓ ብምጥቃዕ፡ “ኣምላኽ ምሕረቱ ከውርደሉ ‘ኣሜን’ ጸሓፉ” ብምባል ጥራይ ልዕሊ ሚልዮን ዝኸይድ ድጋፍ ምርካብ ኣሸጋሪ ኣይከውንን።

“ተስፋጽዮን” ብዝብል ስም ኣብ ዩትዩብ መርዚ ዝዘርእ ዘሎ ሰብ ኣብቲ ፈለማ ክጅምር ከሎ ጐፍ ኢሉኒ። ከም ብዙሕ ሰብ ድማ ቍሩብ ስሒቐን “ዘይውዳእ ትእምርታት ወዲ-ሰብን” ኢለ ሓሊፈዮ። ኣብ ከምዚ “ቀለብ ተረኺቡ ኣሎ” ኢለ ሓቢሮም ንኽስሕቅሉ ዘካፍሎምን ዘካፍሉኒን ዓርከይ ዮናታን ጽገን ንእሽቶ ሓወይ ጽንዓትን ድማ ሰዲደሎም፣ ንሶም’ውን ቍሩብ ተዛንዮም።

እናሓደረ ግን እቶም እንስሕቀሉን ብልቢ ነቲ ሓሳባቱ ዝውሕጡዎን እናተመዓራረዩ መጺኦም። ንኸምዚ ዝመስል ተርእዮ ንምስሓቕ ኢልካ ጥራይ ደጋጊምካ ምርኣዩ ስለ ዘይክኣል፡ ምርኣይ ኣብ ዘቋረጽኩሉ (ምኽንያቱ ብሓንቲ ዋዛ ደጋጊምካ ክትስሕቕ ስለ ዘይከኣል)፡ ሓደ ዘኽብሮ ሰብ (ስሙ ክዕቅበሉ’የ) ክርእዮ ከም ዘሎኒ ደዊሉ ተማሕጺኑኒ። ሰንቢደ ጥራይ ዘይኰነስ ዘርኢ ከም ዘይብለይን ስለምንታይ’ከ ንሱ ይርእዮ ከም ዘሎ ከእምነኒን ሓቲተዮ። “እቲ ብዛዕባ ኣስላም ዝዛረቦ ገዲፍካ እቲ ካልእ ቍምነገሩ ስምዓዮ ጽቡቕ ነጥብታት ኣለዎ” ኢሉኒ።

ቀንዲ ቍምነገሩ ብዛዕባ ኣስላም ክንሱ ንዕኡ ነጢረ ክሰምዓሉ ዝኽእል መገዲ ኣይተራእየንን፣ ኣይከውንን’ዩ’ውን። “ሂትለር’ኳ ብዙሕ ጽቡቕ ወገናት ኣለዎ፣ ኣብ እንስሳታት ብዘርእዮ ዝነበረ ሓልዮት ክድነቕ ኣለዎ” ዘስምዕ ምጕት’ዩ።

ቅድሚ ቀረባ መዓልታት ከኣ ሓደ ተጋዳላይ ህዝባዊ ግንባር ዝነበረ’ሞ፡ ዝተሰውአት ቀዳመይቲ መዛምድቱ ተወልዳቲ ብሄረ ሳሆ ምንባራ ባዕሉ ደጋጊሙ ዘዕልለኒ ሰብ፡ ከድንቖ ጥራይ ዘይኰነስ ኣዝየን ጽቡቓት መደባት ከም ዘለዎ ጸቒጡ ተዛሪቡኒ። ኣትሪረ ምስ መጐትኩዎ ድማ “ዝበለጻ” ዝበለን ቪድዮታት ሰዲዱ ንዐአን ድሕሪ ምስማዕ ክንካታዕ ዓዲሙኒ። ፍቓዱ ክመልእ ብምባል ንሓንቲ ካብተን ዝሰደደለይ ክከታተላ ኢለ ወሊዐያ። “ተስፋጽዮን” ከም ወትሩ “ቅድሚ ምጅማሩ ሓጺር መእተዊ” ክህብ ኣመና ዓቕለይ ስለ ዘጽበበለይ፡ ኣንጸርጺረ ነብሰይ ክሕጸብ ኢለ ወሊዐዮ ከይደ። ድሕሪ ፍርቂ ሰዓት ኣቢለ ተሓጺበ ምስ ተመለስኩ፡ ገና መእትዊ ይቕጽል ነይሩ። ብሕርቃን ኮምፕዩተረይ ንኽሰብር ዘኽእል ምንጪ ኣታዊ ስለ ዘይብለይን ብቐንዱ ድማ ንስለ ኣኽብሮትን ኣብ ዝፈልጦ ኣርእስቲ “ምናልባት” ኢለ ክጽበን ስለ ዘይመረጽኩ ድማ ኣጥፊአዮ ስራሐይ ቀጺለ። ከምኡ ዝመስል ሃለወሳ ግን ንወርሒ’ውን ይዅን ኣብ ሓንቲ ገዛ ንበይነይ እንተ ዝዕጾ’ሞ፡ ብዘይካኡ ካልእ ዝገብሮ እንተ ዘይነብረኒ’ውን (ኣይውረድ) ክሰምዖ ዝኽእል ኣይኰነን።

ብኻልእ ዓይኒ ክምሰል ከሎ ምጕት “ተስፋጽዮን” ካብ ኣፍሪቃ ብጊልያነት ናብ ኣመሪካ ዝተሸጡ ዜጋታት ከም ዘለዎን ብምሉኦምን ብቕልጡፍ ነናብ ቦታኦም ክምለሱ ዘስምዕ’ዩ። ኣብ መንጐ ዝነበረ ለውጢን ታሪኻዊ ምዕባለን ብዘይ ምስትውዓል ኣብ ሓደ መቓን ናይ ታሪኻዊ እዋን ዝደስከሉ ሰባት ከምዚ ዝመስል ምጕት ከምጽኡ ድማ ደጋጊሙ የጋጥም’ዩ።

“ተስፋጽዮን”ን ኣጫፈርቱን ነቶም ብተደጋጋሚ “ካብ ዘይንፈልጦም ተቓወምቲ ኢሳያስ ይሕሸና” ዝብሉ ጽቡቕ መራጐዲ እዩ። እንተስ ብፍላጥ ወይ ድማ ብዘይ ምስትውዓል ነቲ ኣንጻር ጭቈና ክሰምር ዝነበሮ ናይ ተቓውሞ ሓይሊ ድማ ኣብ ጓል-መገዲ ጢና-ሚና ምጕታት ብምእታው ይዕንቅጾ ኣሎ ጥራይ ዘይኰነስ ኣቓልቦ ይጥምዝዞ ኣሎ። ክሳብ ክንድኡ ዝኸይድ ርቀት ደኣ የብሎምን እምበር፡ ብጸጥታ መንግስቲ ኤርትራ ዝተወደቡ’ዮም ኢልካ ምግማት’ውን ርሑቕ ኣይምዀነን። እንተዀነ፡ ነቶም ንመዓልታዊ ቀረብ ኣረቂ ኣብ ምድላይ ጥራይ ሃሰውሰው ዝብሉ ኣባላት ጸጥታ ኤርትራ ኣመና ልዕሊ ሚዛን ዝኸይድ ክብሪ ምሃብ’ዩ።

ምጕት “ተስፋጽዮን” ኢታሪኻዊ ምዃኑ ሓዲግና፡ ንሱ ቅድሚ ምውላዱን ኣብ ካልእ ታሪኻዊ ህሞትን ተፈቲኑስ ዝፈሸለ ምዃኑ ምዝኽካር ኣይምተጸልአን። ምናልባት ግን ሃገራትን ሃገራውነትን ብኸመይ ከም ዝመጽእን ዝዅስኰስን ክውከስ ንዝደሊ ሰብ፡ እታ ዝበለጸት መጽሓፍ Imagined Communities: Reflections on the Origin and Spread of Nationalism ናይ በነዲክት ኣንደርሰን ምንባብ ይምረጽ።

“ኣንጻር ኣስላም ሓቢርና ንልዓል”፣ “ኣብ ሓደ ቤት ማእሰርቲ ምድጓኖም ኣሸጋሪ ኣይኰነን”፣ ዝመስል ሓሳብ “ኣግኣዝያን” (‘ኣግኣዚ’ እትብል ምርጽቲ ቃል ቀልቀል ጸይቑዋ) ኣብ ክውንነትይን ኵነት ኤርትራን ከሽርፎ ይፍትን እሞ፡ ምሕሳቡ ይሽግረኒ። ቀዲሙ ዝመጸኒ ከኣ ኣንጻር መን ክለዓል ምዃነይ’ዩ? ዓባይ ሓብተይ በዓልቤታ ተወላዲ ብሄረ-ትግረ’ዩ፣ ስለዚ ቀዲመ ክቃለሶም ዘሎኒ ሰለስተ ደቃን ኣዝማድ በዓልቤታን ድዮም ክዀኑ? ሰብኣይ ካልእ ሓብተይ ብሓደ ወገኑ ናይ ሳሆ ዘርኢ ኣለዎ፣ ንሳቶም’ውን ኣብ ትሕቲ ክትትል ክህሉዉ ማለት ድዩ? ዶስ ንተወለድቲ ብሄረ ሳሆ ወሰን ኢለ ከም ጸላእቲ ክርእዮም? ዘፍርቆን ዘኽብሮን ድምጺዊ ኣብራር ዑስማን ሳሆን ኣስላማይን ምዃኑ’ዩ። ዝሓለፈ በዓል ቅዱስ ዮሃንስ ግን ኣነ ረሲዐዮ ኣብ ዝነበረኩ እዋን “ምስ ምሉኣት ስድራቤትካ እንቋዕ ናብዚ ኣብቅዓካ” ኢሉ መልእኽቲ ሰዲዱለይ። እሞ ካብ ክልቴና ደኣ ናብ ተዋህዶ መን ይቐርብ?

ዒሳ ኣደም ተወላዲ ብሄረ ናራ ምዃኑ’ዩ። ሸውዓት ዓመት ከኣ ኣብ ሓንቲ ክፍሊ ሰሪሕናን ብሓባር ሓዚንናን ስሒቕናን፣ ንሱ’ኸ? ኣብ ባረንቱ ቀደም መምሃርተይን መተዓብይተን ዝነበሩ ተወለድቲ ብሄረ ኵናማ ኣብዚ ናይ “ኣግኣዝያን” ምድብ ኣበይ’ዮም ዝሰፍሩ? ካልእ እሞ ንግደፎ ሃዋ ዳኒክን ስድራቤታን (ኵናማ እሞ ከኣ ኣስላም) ከመይ’የ ክገብሮም? ፈለማ ኣብ ስራሕ ምስ ተጓነፋ ንበዓልቲቤተይ፡ “ሰብኣይ ኣብ ባረንቱ ይመሃር ነይሩ፣ ኣብርሃም ተስፋልኡል’ዩ” ምስ በለታ ጥራይ እንድያ ዘመዳ ሓሲባስ ሒዛታ ንገዛኣ ዝኸደት። ድሕሪኡ ድማ ኣብ ንገሸሉ እዋን ብዘይ ቅድመ-ኵነት፡ “ኣብ ኣፍደገ ኣለኹ ማዕጾ ክፈቱኒ” ኢልና ንሕብሮምን ከም ገዛና ንርእዮ ስድራን ካልእ ኣበይ ኣሎ? እሞ ደኣ ኣብ ከባቢኣ ብስጋ ዝብጽሑና ቤተሰብን ብዙሓት ተወልደቲ ብሄረ ትግርኛን ኣለዉ እንድዮም።

ኣንጻር ብሊን ክዕጥቐ እንተዀይነ፡ ሳልሕ ኑር ወይ ዮሴፍ ኣበይ’የ ክሰርዖም? እቲ ብማዕዶ ሰላም ጥራይ ዝብሎ ዝነበርኩን ሕጂ ደርፍታቱ ኣብ ዩቱብ ደጋጊመ ሃሰስ ዝብሎን መሓመድ ድሩፍ’ከ ከም ጸላኢ ድየ ክርእዮ? እቶም ምስ ግርማይ ዮሃንስ (ሳንድያጎ) ኣብ ጐደናታት ኣስመራ ብእግሪ ዘወር ክንብል እንከሎና ንረኽቦም ዝነበረና ተወልደቲ ብሄረ ዓፋር’ሞ ንግርማይ ከም ውላዶም ዝርእዩዎ ዝነበሩ’ኸ?

እዚ ብሄረ ትግርኛ ዝብል “ምንቅስቓስ” ክብሎ እኳ ይኸብደኒ’ዩ፣ ዋላ’ውን “ጠርፍታ” ንበሎ፡ “ኣግኣዚ” ነቶም ብታሪኻዊ ኣጋጣሚ ኰይኑ ካብ ብሄረ ትግርኛን ተወሊዶም ግን ኣብ ካልእ እምነታት ከም ከኒሻ፡ ጴንጠ-ቆስጣል፡ ካቶሊክ፣ ብቐንዱ ከኣ እምነት ዘይብሎም ዘጠቓልል እንተዀይኑ’ውን ክፈልጥ ምደለኹ። ንጀበርቲ ኣብ ካልእ ምድብ ዘእትዎም እንተዀይኑ’ውን ቀንዲ ዓርከይ ኣኸድር ኣሕመዲንን ኣዝየ ዘኽብሮም ስድራቤቱን መጻኢኦም ክፈልጥ ምደለኹ።

ከም ኵሎም መሰልቱ፡ ኣገባባት “ተስፋጽዮን” ካብ ዓሰርተ ሚእታዊት ክውንነት ተበጊሱ እቲ ዝተረፈ 90 ሚእታዊት ድማ ባዕሉ እናመሃዞን ኣብ ሰንኰፍ ንዝጸንሑ እናጽደፈን’ዩ ዝኸይድ። እቲ ሓሶት ምስ ደጋገሞ ንባዕሉ ክዉን ይመስሎ’ሞ ነቶም ካልኦት ከኣ ኣሚኑ ምስ መጐቶም ሓቂ ክመስሎም ይኽእል። እቲ ዝውቱር ብልሓት ከኣ ፍርሒ ምእታው’ዩ።

እዚ ዲክታቶራዊ ስርዓት ቍሩብ ዘሊቝ ኣሎ’ሞ ካልእ ዝተረረ ክንተክል ኢሎም ብሕጂ ዝለዓሉን ንዘመናት ዝኸይድ ጸላምት ከንግሱ ዝብገሱን እሞ ከኣ ኣብቲ ዝሓሸ ዝብሃል ምዕራባዊ ዓለም እናተቐመጡ ክርኢ ግን ነብሰይ እገፈኒ። “ኣብ ኤርትራ ዓመጽ ወሪዱና” ኢሎም ፖለቲካዊ ዑቝባ ረኺቦም ከብቅዑ፡ ብርሃን ካልኦት ከጸልምቱ’ሞ ነቲ ዘሎ ምዕባል ቴክኖሎጂ ናብ ዝኸፍአ መዓላ ከውዕሉ ምርኣይ ከኣ የሕዝን። እዚ ንተወልድቲ ብሄረ ትግርኛ ዘማእከለ (ይትረፈኒ) ጠረፍታ፡ ንኻልኦት ብሄራት ኣንጻር “ትግርኛ” ክለዓሉ ኣመና ዝዕድም ጥራይ ዘይኰነስ ብወግዒ ዝጽውዕ’ዩ። እቲ ሕማቑ ድማ ንዅሉ ተወላዲ ትግርኛ ዝውክል መሲሉ ይቐርብን ብገሊኣቶም ጢና-ሚናታት ይዝረበሉን ስለ ዘሎ’ዩ።

 

“ኣነ ግዳ እንታይ ከፊኡኒ መባእስቲ’ኳ ረኺበ፣ ብዙሓት እንዶ ኣለዉ መቓልስቲ ስኢኖም ቀንፈዘው ክብሉ ዝነብሩ።”

እዛ ጥቕሲ ካብ ትጽቢት ባህጉ (2006) እትብል መጽሓፍ በየነ ሃይለ ዝተወስደት ኰይና፡ ኣመና ስለ ዝፈትዋን ልዕሊ ብዙሕ ስለ እትገልጸለይን፣ ነታ መጽሓፍ ከርትዕ ከለኹ’ውን ዳሕራይ ኣብ መኸፍቲ ገጽ ናይታ መጽሓፍ ከም ትኸውን ገይረያ። ሕጂ ከኣ እንሀት ከም ወትሩ ባዕላ ትመጸኒ።

ሕጂ’ውን ዝዓበየ ዲክታቶራዊ ስርዓት መባእስቲ ኣሎኒ፣ ነቶም መባእስቲ ስኢኖም ቀንፈዘው ዝብሉ ዘለዉ ከኣ ከምዚ ከማይ ይፍጠረሎም።

 

ኣሜን!