“ስራሕና ቦምባ ምትኳስ’ዩ… ኣበይ ከም ዝዓልብ ግን ዘገድሰና ኣይኰነን”

“ስራሕና ቦምባ ምትኳስ’ዩ ኣበይ ከም ዝዓልብን ንመን ከም ዝሃርምን ንዓና ዝምልከት ኣይኰነን፣ ንሱ ናይ ካልእ ክፍሊ ስራሕ’ዩ።”

እዘን ከም መእተዊ ተጠቒመለን ዘለኹ ሕደማ ናይ ሓንቲ ደርፊ ኰይነን ኣብ ሓንቲ መጽሓፍ ካብ ዘንብበን ልዕሊ 10 ዓመት ሓሊፉ፣ ገና ክርስዐን ኣይከኣልኩን᎓ ስም ደራፊ ስለ ዘይሓዝኩ ከኣ ተመሊሰ ከስተማቕራ ኣይከኣልኩን። ተደጋጋሚ ሓላፍነት ዝጐደሎ ስራሕ ጎፍ ክብለኒ ከሎ ግን እዘን መስመራት ህሩግ ይብላኒ። ስሙ ዘይሓዝኩዎ ደራፊ ነቲ ኣብ እዋን ዝሑል ኲናት ዝነበረ ወጥሪ ኒክለሳዊ ኣጽዋር–ናይ ገለ መራሕቲ ሸለልትነት ከስዕቦ ዝኽእል ሃስያ–ንምግላጽ ዝደረፎ’ዩ። እታ ደርፊ ከም እተርእዮ᎓ ኣዘንታዊ ምስቶም ቦምባ ዝትኵሱ ክፍሊ ኰይኑ ስራሑ ነታ ቦምባ ምትኳስ እምበር ኣበይ ከም እትዓልብን ንመን ከም እትሃርምን ግን ንኻልእ ክፍሊ ዝምልከት ምዃኑ ይሕብር። እቶም ካልእ ክፍሊ᎓ ምናልባት’ውን ነታ ቦምባ ተመሊሳ ኣብ ልዕሊኡ ከም እትወድቕ ገይሮም ከነጻጽሩዋ ይኽእሉ’ዮም፣ እዚ ግን ንዓኡ ዝገድሶ ኣይኰነን።

(መእተዊስ እንተ ሓጸረ’ዩ ጽቡቕ፣ ክሰግር)

ሰፊሕ ቃለ-መሕተት ኣቦይ ሃብተማርያም ኣብርሃ ዘበገሶ ናይ ማሕበራዊ መራኸቢታትን ረድዮን ምልልስ ዘንቀሎ ሓሳብ’ዩ። ኣጋጣሚ ኰይኑ ብዝለዓለ ጥርዚ–ናይ ኣማኑኤል ኢያሱ ናይ ረድዮ መልሰ-መጥቃዕቲ–ምስ ሰማዕኩ’የ ተመሊሰ ነቲ ቅድሚኡ ዝነበረ ምልልስ ተኸታቲለዮ።

ኣቦይ ሃብተማርያም ልዑልን ትኵርን ዝኽሪ ከም ዘለዎም ዘጠራጥር የብሉን፣ ምስ ዕብየት ዕድመ᎓ ንውሓት ግዜን በበይኑ ምዕባለታትን ከኣ ምስኡ ተኣሳሲሩ ዝመጽእ ናይ እርጋን ምትሕውዋስ ዝኽሪን ንምፍላጥ ኣየጸግምን። ኣፋዊ ዛንታ እናተደጋገመ ምስ ከደ መበቈሎን ርጡብነትን ብዘየገድስ “ሓቂ” እናመሰለ’ዩ ዝመጽእ። ኣብዚ ናይ ኣቦይ ሃብተማርያም ኣጋጣሚ’ውን ነዊሕ ስደትን ጽምዋ ዝወለዶ ምጽርራብ ናይቲ ዝኽሪን ናብ ሓደ መስርዑ ዝሓለወ ዛንታ ንኽሰፍዩዎ ኣኽኢሉዎም። ኣብ ርእሲ’ቲ ርኡይ ኵርናዕ ኣጠማምታ᎓ እቲ ዝዝርዝሩዎ ዛንታታት ኣዝዩ ተኣፋፊን ምስጢራዊን ስለ ዝዀነ᎓ ብማዕዶ ተዓዛቢ ኴንካ ጥራይ ደምዳሚ መልሲ ክትህበሉ ዝከኣል ኣይኰነን። ካብ ዕላሎም ንጹር ከም ዝዀነ ከኣ ኣብቲ ኣዝዩ ተኣፋፊ ዛንታታት ናይ ማዕዶ ተዓዛቢ ጥራይ’ዮም ነይሮም። ንውሓት ዕድመ᎓ ምድብላቕ ዝኽሪ᎓ ነዊሕ ዝተዓቝረ ነድሪ ከስዕቦ ዝኽእል ምዝባዕ ሓበሬታ እምበኣር ምዝርዛሩ’ውን ኣየድልን። ኣብ ከምኡ መደምደምታ ንዝበጽሕ ሰማዒ’ውን ግድን ጌጋ ወይ ዝተጋነነ ስእሊ ክህቦ’ዩ።

ሃብታም ዝኽሮም ጽቡቕ ምንጪ ንተመራመርቲ ታሪኽ ከገልግል ዝኽእል ደኣ ይዅን እምበር᎓ ኵሉ ከም ዘለዎ ምቕባሉ ግን ዝከኣል ኣይኰነን። ኣብ ኣፋዊ ዝኽሪ ጥራይ ዝምርኰስ ታሪኽ ካልእ ጎድናዊ ምርግጋጽ ምስ ዘይህሉዎ ከምጽኦ ዝኽእል ምዝባዕ ዓቢ’ዩ። ንኣብነት እኳ ኣቦይ ሃብተማርያም “ከኒና ናይ ዓሶ ኢሎም᎓ ኣስላም᎓ ስሚ የስትዩና ነይሮም” ኢሉ ከም ምስክር ዝጠቐሶም ወዲ-ደሪዕ ኣብ መጨረሽታ ሰብዓታት ከም ዝተሰውአ ደኣ ይሓብሩ’ምበር᎓ ወዲ-ደሪዕ ክሳብ ቀረባ ዓመታት ብህይወት ነይሩስ ኣብ ጋዜጣ ሓዳስ-ኤርትራ’ውን ንኣዋርሕ ዝኸደ ቃለ-መሕተት ይገብር ነይሩ (ገና ሕጂ’ውን ክህሉ ይኽእል’ዩ)። እዚ ብቐረባ ዝፈልጦ ኣዝዩ ንእሽቶ ኣብነት ደኣ ይዅን እምበር እቲ ካልእ ፍጻመታት ብኸምኡ ክራባሕ ከሎ ማዕረኡ ምድንጋራት ክህሉዎ ከም ዝኽእል ርዱእ’ዩ። ብቐንዱ ግን ኣብ ልዕሊ ኣስላም ኤርትራ ዘለዎም ዘየወላውል ቂም ኣዝዩ ግሉሕ’ዩ። ብሕልፊ እኳ ኣብቲ ናይ መጨረሽታ ዝህቡዎ ደምዳሚ ዘረባ ኣስላም “ክመርሑ ኣይክእሉን’ዮም፣ ክምርሑ ድማ ኣይደልዩን’ዮም” ለበዋ ንምስማዑ ዘእፍፍ’ዩ።

ኣቦይ ሃብተማርያም ዝኽሮም ምክፋሎም ዝምስገኑ ኰይኖም᎓ ኣማኑኤል ኢያሱ’ውን ንኸምዚ ዝመስል ሃብታም ተመኵሮ ምስ ሞት ከይቅበር ተጓዪዩ ምስናዱ ዝነኣድ’ዩ። እቲ ዝኸፍአ ግን እቲ ድሕሪኡ ዝሰዓበ ምልልስ’ዩ።

ዘረባ ኣቦይ ሃብተማርያም ይትረፍ ንኣመንቲ ምስልምና ኤርትራውያን᎓ እሞ ከኣ ኣንጻር ምልኪ ንዝቃለሱ᎓ ንተራ ኣብዚ ዘመናዊት ኤርትራ ንዝነብር ግዱስ ሰብ ከነድር ግድን’ዩ። ስለዚ ከኣ’ዩ ካብ ኣስላምን ክርስትያንን ቅልጡፍ ግብረ-መልሲ ዝሰዓበ። ዶክተር መሓመድ ኬር᎓ ኣማኑኤል ንኸምኡ ዝመስል ለበዋን ደምዳሚ ዘረባን ከእንግዶ ከም ዘይነበሮ ርእይቶ ሂቡ። ጋዜጠኛ ኣሕመድ ሸሪፍ᎓ ንተዛራቢ ኣቦይ ሃብተማርያም ዘይኰነስ ንኣማኑኤል ኢያሱ ውልቃዊ ዛንታኡ ዝጕርጕር ጋዜጣዊ መግለጺ ኣዳልዩ። ኣሕመድ ሸሪፍ ነቲ ከፋፋሊ ኣማኑኤል ዘእንገዶ ተርእዮታትን ደኣ ከንቅፍ ይበገስ እምበር᎓ ንባዕሉ’ውን ካብቲ ዝነቕፎ ዝነበረ መስመር ኣመና ኣይተፈልየን። እቲ ፈጺሙ ኣድልያነት ዘይነበሮን ጓል መገዲን ብዛዕባ ታሪኽ ኣማኑኤል ኣብ ሚኒስትሪ ዜና ገዲፍና᎓ ኣቦይ ሃብተማርያም ተወላዲ ብሄረ ትግርኛ ብምዃኖም ጥራይ ንኣማኑኤል “ሓወቦኻ” እናበለ’ዩ ዝጠቅስ ነይሩ። ናይ ስጋ ዝድምና ዘለዎም ግን ኣይመስለንን።

ድሕሪኡ ድማ ኣማኑኤል ኢያሱ ኣብ ረድዮ ኣሰና “ሓባእ ቍስሉ ሓባእ ፈውሱ” ብዝብል ኣርእስቲ᎓ ሚዛን እታ ረድዮ ኣዝዩ ዘጕድልን ንሕሉፍ ኣበርክቶኡ ዘተዓዛዝብን መደብ ፈንዩ።

[እዚ እናዀነ…]

[…ፖሊሲታት ኢሳያስ ኣፈወርቂ ዝወለዶ ዘይተኣደነ ሕሰምን ብርሰት ሃገርን ኣብ ኤርትራ ዝያዳ እናጐልሐ ይኸይድ ኣሎ። ምሕዳስ ልቸንሳታት ዳርጋ ደው ኢሉ ጥራይ ዘይኰነስ ዘይተኣደነ ግብሪን መወዳእታ ዘይብሉ ቅጥዕታትን ኣምጺኦም’ውን ዳርጋ ምሉእ ንግዲ ደው ክብል ዝደፍእ መምርሒታት ይወርድ ኣሎ። ኣብዚ ሰዓት’ዚ ድማ ኢሳያስ ኣብቲ ንብዙሓት ናይ ቀረባ መሓዉሩ ክፍልታት ከም እኒ ኣማኻሪ ሕጊ ኤደን ፋሲልን ካልኦት ሰብ ቅነ ከም በዓል ጆሜትራ ጌታቸውን ሒዙ ኣብ ዓዲ ሃሎ ሰፊሩ ኣሎ። በዚ ሓድሽ ከም ወትሩ ብስዅር ወኒ ዝብገስ መደባት ድማ ከምቲ ናይ ሳዋ ሞያዊ ስልጠና ዝመስል ቤት ትምህርቲ ንምኽፋት ኣስታት 3000 ተመሃሮ ኣብ ዓዲ-ሃሎ ከም ዝመጹ ገይሩስ ኣደዳ ጥሜትን ንፋስን ኰይኖም ኣለዉ። እቲ ህንጻ ገና ከይተወድአ እንከሎ ዝገዓዙ ተመሃሮ ድማ ኣብ መሬት ክድቅሱ ተገዲዶም ኣለዉ።]

ኣቦይ ሃብተማርያም ከም ዝመሰሎምን ንሶም ብዝፈልጡዎን ክዛረቡ ንቡር’ዩ። እንተዀነ᎓ ኣዳላዊን ኣሰናዳኢን ናይ ሓደ ህዝባዊ መራኸቢ-ብዙሃን ከኣ ክመሚን ነቲ ዝዓበየ ሸቶ ዝሃርም ሓርዩ ክዝርግሕን ሓላፍነት ኣለዎ። ንኣብነት᎓ ኣነ ኣብ ሓደ መደበር ረድዮ ቀሪበ᎓ “ደቀንስትዮ ኣዝዩ ትሑት ዓቕሚ ዘለወን’የን፣ ስለዚ ዝዀነ ውሳነ ክንወስድ ኣብ እንደልየሉ እዋን ብዘይ ብአአን ክንገብሮ ጥራይ’ዩ ዘለንና” ምስ ዝብል᎓ ቀዳማይ ዝሕተትሉ ባዕለይ ደኣ ይዅን እምበር᎓ እቲ ዘእንገደኒ’ውን ማዕረይ ክሕተት’ዩ።

ንምዃኑ’ኸ ኣሕመድ ሸሪፍ ወይ ድማ ዶክተር መሓመድ ኬር ኣብ ረድዮ ኣሰና ክምልሱ ምስ ዝደልዩ እቲ ዕድል ይወሃቦም’ዶ?

ናብ ኣስመራ ዝወስድ መገዲ ዳርጋ ኵሉ ስለ ዝተዓጽወን ስእነት ሓበሬታ ዝወለዶ ሰንፈላልን (መራኽቢ-ብዙሃን ከኣ ፍጻመታት ይሃሉ ኣይሃይሉ ብዘይገድስ ግዜ ክምልኣ ስለ ዘለወን) እቲ ቀንዲ ቃልሲ ኣብ ውልቃዊን መንጎ ንሓድሕዶም ንጸረ-ምልኪ ዝቃለሱን’ዩ ተቐይሩ። ብተደጋጋሚ ግዜ ኣብ ሸንኮለልን ስእነት ሓድሽ ሓበሬታ ዝወለዶ ኣብ ዝንቡዕን ዘይተረጋገጸ ታሪኽ ምምርኳስ ከኣ ፍሉይ ቅዲ ቃልሲ ደምበ ተቓውሞ ኤርትራ ኰይኑ ኣሎ።

ኣብ መንጎ ነቲ ጽልኢን ሓድሕድ ምትፍናንን ደምበ ተቓውሞ ጸሊኦም ዳርጋ ናብ ምድጋፍ እቲ ዘሎ ስርዓት ዝዛዉን ስቕ ዝመርጹን ብዙሓት’ዮም። ከም ኵሉ ብፍርሒን “በሉ እዚ ዶ ይሕሸኩም?” ምጕት ዝሰርር ኢሳያስን ከኣ ከምዚ ዝመስል ፈላላዪ ኣጋጣሚ ክኽሰት ከሎ እቲ ነብሱ ንምሕላፍ ኵሉ ዝከኣሎ ምድልዋት ዝገብር ዘሎ ስርዓት ኣስመራ (ኣብ መጨረሽታ ከም ዳሜራ’ዩ ኣብ ዘለዎ ርዅምሽ ክብል) ከኣ ቍሩብ ትንፋስ ይመልስ።

ንቕድሚት ዝደፍእ ሓበሬታን ምዕባለታትን (ብዘይካ እቲ ርዱእ ነብሰ-ቅትለታዊ ጕዕዞ) ስለ ዝወሓደ ናይ ተቓውሞ ደምበ ኣብ ሓሸውየ ጭልፍላፍ ዛንታት ክነብር ገይሩዎ ኣሎ። ናጻ ዕድለት ማሕበራዊ መራኸቢታት ተወሲኹዶ ድማ ዝዀነ ድፍረት ዘለዎ ሰብ ብዘይ ተሓታትነት ድላዩ ክብልን ብእኡ ክኽየድን ኣኽኢሉ። ብድምሩ ግን እቲ ሓሳባት ገዲፍካ ናብ ውልቀ-ሰባትን ሕሉፍ ታሪኾምን ጥራይ ዘተኰረ ምንጋር ዛንታ እምነት ኣብ ምጥፋእን ተስፋ ምቝራጽን ዝለዓለ ግደ ይጻወት ኣሎ። ብዙሓ ካብቲ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት “ተኣምራት” ተባሂሉ ዝዝርጋሕ ነቲ ቃልሲ ፈጺሙ ድፍኢት ዝህብ ኣይኰነን። “ኣግኣዝያን” ዝተባህለ ብሓደ ሕሉፍ ገበናት ዝተፈርደ᎓ ኣብ ዝኸዶ ጽቡቕ ስም ዘይገድፍ “ተስፋጽዮን” ኢሉ ነብሱ ዘጠመቐ ዝተኸፍተ ድኳን ሓያሎ ግሩሃት ዓማዊል ስሒቡ ኣሎ። ካልድ ዓብዱ “ትግርኛ ዝብሃል ብሄር ኣይነበረን” ኢሉ ኣብ ፓልቶክ ተኣምራታዊ ሓበሬታ ፈንዩ፣ ብመጠኑ ከኣ ግርህ ኢሉ ክስዕቦ ንዝጸንሐ’ውን “በዓል እዚኣቶም ድዮም?” ከም ዝብል ገይሩ። ንምዃኑ እቲ ምጕት’ዚ ካበይ ዘምጽኦ’ዩ? ኣማኑኤል ሳህለ ከምኡ ኢሉ ጽሒፉ ምንባሩ’ዩ ዝሕብር ኣብ ዘረባኡ። ኣማኑኤልን ጽሑፋትን ኣጸቢቐ ስለ ዝፈልጦም እንታይ ምንጪታት ተወኪሱ ኰን ይኸውን ኢለ ተገዲሰ ኣይፈተሽኩን። ንውሑድ እዋን’ውን ይዅን ጽሑፋት ኣማኑኤል ሳህለ ንዘንበበ ሰብ ግን ብዛዕባኡ ኣብ መደምደምታ ንምብጻሕ ዘጸግም ኣይኰነን። ንምዃኑ᎓ ሓቅነት እቲ ሓበሬታ ንጎኒ ገዲፍና’ውን᎓ ትግርኛ ዝብሃል ብሄር ነዊሕ ታሪኽ ከም “ዘይብሉ” ምሕባር ኣብዚ ናይ ተቓውሞ ቃልሲ ተራኡ እንታይ’ዩ?

“ፎሮ” ብዝብል ስም ኣብ ፓልቶክ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ እዋን ኣዛራቢን “ከሳቴ ተኣምራት”ን  ዝዀነ ሰብ ብርዱእ ምኽንያት ናይ ቀረባ እዋን ሓበሬታ ስለ ዘይብሉ ጽልኢን ዳግም ምትፍናን ጥራይ ዝወልድ ርጡን ዘይርጡብ ሓበሬታ (ከም ኵሉ ናይ ጸጥታ ስራሓት ከኣ ንምርግጋጹ ዘጸግም) ክዝርግሕ ወሪሑ። ገለ ካብቲ “እዋእ?” ዘብል ሓበሬታታቱ መስፍን ሓጎስ᎓ ዓብደላ ኣደምን ሕሩይ ተድላ ባይሩን ናይ ኢሳያስ ስሩዓት ምዃኖምን “ጭብጢ” ከም ዘለዎን ምሕባር’ዩ። ዳሕራይ ኣብቲ ዝርዝር ክኣቱ ከሎ ብዛዕባ ዓብደላ ኣደም ክዛረብን ናብኡ መደምደምታ ክበጽሕ ዘኽኣሎን ምስ ጠቐሰ ግን “ጭቡጥ” ሓበሬታኡ እንታይ ምዃኑ ንምርዳእ ኣየጽገምን። ንምዃኑ ኢሳያስ ወይ ጸጥታ ኤርትራ ንኸምዚ ዝመስል ኣዝዩ ነዊሕ ዝኸደን ዝተራቐቐን መሓዉራት ክገብሩ ዓቕሚ ኣለዎም ድዩ? እቶም “ስሩዓት” ዝተሰምዩ ከም በዓል መስፍን᎓ ሕሩይን ዓብደላን እንታይ ንምኽሳብ’ዮም ኣብዚ ናይ እርጋን ዕድመኦ ክሳብ ኵሉ ነገራቶም ገዲፎም ንኢሳያስ ከገልግሉ?

…ተደማሚሩ እምበኣር ከምቲ ንኒኵለሳዊ ወጥሪ ኣመልኪቱ᎓ “ስራሕና ቦምባ ምትኳ’ዩ… ኣበይ ከም ዝዓልብ ግን ንዓና ዘገድስ ኣይኰነን” ዝበሎ᎓ ካብቲ ብዙሓት እንትኵሶ ዘለና ቦምባታት መዓልቦኡ ከይፈልጥና ደኣ ንስንድዎ ንሃሉ እምበር ዝበዝሕ ካብኡስ ተመሊሱ ኣብ ርእሰና’ዩ ዝወድቕ ዘሎ (ነብሰይን እዛ ጽሕፍቲን ሓዊስካ)።